ስዊዘርላንድ

ቋንቋ

ቋንቋ

ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዘለው እቲ ሓደ ገጽታ ብጣዕሚ ብዙሕ ናይ ስነ-ልሳን ቋንቋ ምህላው እዩ። ኣርባዕተ ሕጋዊ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣለው። ንሶምውን ጀርመንኛ፣ ፈረንሳይኛ ጣልያንኛን ሮማንያኛን እዮም። ኣብ ስዊዘርላንድ እንተደኣ ዓብዮም ካብዚኦም እቶም ክልተ ቋንቋታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። ኣብ ሕድ ሕድ ናይ ሰባት ሕይወት እዚኦም ናይቲ ቋንቋ ዝጥቀሙ ሰባት ዘሎ ሚእታዊ መጠን ዓቢይ ኣፈላላይ ኣለዎም:-

 

  • 62.6% ተቐማጦ ሕዝቢታት ጀርመንኛ ከም ዋና ቋንቋኦም ጌሮም ይጥቀሙ
  • 22.9% ፈረንሳይኛ ቋንቋ ተዛረብቲ እዮም
  • 8.2% ናይ ጥልያን ቋንቋ ተዛረብቲ (ብስደተኝነት ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝነበሩ ሰባት ሓዊሱ)
  • 0.5% ሮማንያኛ ቋንቋ ተዛረብቲዮም

ተቐማጦ ስዊዝ ዘይኮኑ ሕዝቢታት ሰፊሕ ናይ ስነ ቃል ቋንቋ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም። 24.3% ካብቶም ኣርባዕተ ናይ ስዊዝ ዋና ሃገራዊ ቋንቋታት ዝተፈለየ ዝዛረቡ እዮም። ካብቲ ሓፈሻዊ ሕዝቢ 18.5% ካብ ሓደ ቋንቋ ንላዕሊ ዝዛረብ እዩ። (ምንጪ ቤት ጽሕፈት ስዊዝ ፌደራል ሰታትስቲክስ 2017)