ስዊዘርላንድ

ሃይማኖት

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣየናይ ምንቅስቃስ ሃይማኖት ኣሎ?

ኣብ ስዊዝ ስፌሕ ምንቅስቓስ ሓይማኖት ዝግባር ናይ ክርስቲያን ሃይማኖት እዩ። እዚ ብሰፊሑ ብናይ ሮማ ካተሊክን ናይ ፕሮቲስታንት ቤተ ክርስቲያናት ብላዕለዋይ ዝውከልዩ። ካብዚኦም ክልተ ሓይማኖታት ሓደኦም ኣብ ሕድ ሕድ ከባቢታት ውልቀስባት ሰርዓት ሃይማኖት የካይድ። ኣብ 2017 ዝተገበረ ጸንዓት ካብ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ 36% ናይ ካቶሊክ ሃይማኖት ሰዓብቲን 26% ድማ ሰዓብቲ እምነት ፕሮቶስታንት ከምዝኾኑ የርእይ። ይኹን እንበር ኣብ ስዊዘርላንድ ካልኦት እምነታትውን ኣለዎ። 5.4% ተቀማጦ ሕዝቢታት ናይ እስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ እንትኮኑ 5.9 ኦርቶዶክስን ካልኦት ናይ ክርስትና እምነት ሰዓብቲ እዮም። 1% ሂንድ ቡድሃን ኣይሁድ እዮም።

 

ኣብ ቐረባ እዋናት ብዙሕ ሰባት ናብ ቤተ ክርስቲያን ምኻዶም ይገድፉ ኣለዉ፤ ከምኡውን pምስ ዝኾነ ሓይማት ምንም ዘይብሎም ሰባት በዝሒ ኣዚዩ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ኣብ 2017 ናይ ዝኾነ ሓይማት ሰኣብቲ ዘይኮኑ ሰባት በዝሒ 26% ነይሩ፡፡ (ምንጪ ሓበሬታ: ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ፌደራል ስዊዝ፤ ኣብ 2017)

መሰል ነጻነት እምነታት

ኣብ ስዊዘርላንድ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲን ዝተፈላለዩ እዮም። መሰል ናጽነት ሃይማኖት፣ ከም ድላይካ ናይ ምሕሳብ ናይ ሕሊና ናጽነትን ናይ ኣምልኾት ናጽነትን ኣብ ስዊዝ ሕገ መንግስቲ ብንጹር ዝተወሃቦም እዮም። ዝኮነ ይኹን ሰብ ሃይማኖት ናይ ምምራጽን ምክትታልን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ከምኡውን ኣበየናይ ሃይማኖት ክክተል ዘለዎ ናይ ባዕሉ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

 

ከምኡውን ካብ ሓደ እምነት ናብ ካሊእ እምነትን ሃይማኖትን ናይ ምልዋጥን ዝመስሎ እምነት ብናጽነት ምግላጽን ይክእል። እዚ ንውልቀ ሰባትን ንማሕበረሰብ ሃይማኖት ማዕረ ዝጠልብ እዩ። ዝኮነ ይኹን ሰብ ብመልክዕ ኣምልኮ ምንቅስቃስ ሃይማኖት በይኑ ወይድማ ብጉጀለ ናይ ምግላጸ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።