ስዊዘርላንድ

ስዊዘርላንድ

ንምንታይ እዩ ስዊዘርላንድ ደሴት ተባሂላ ትጽዋዕ?

ስዊዘርላንድ ኣብ ማእኸል ምዕራብ ኤውሮጳ ትርከብ ግዛት እያ። ከምኡውን ሓደ ሓደ እዋን ደሴት እናተበሃለት ትጽዋዕ። እዚ ኣቐማምጣኣ ከም ደሴትን ኣብ ማዕከል ሕብረት ኤውሮጳ ዝትርከብ ምዃና ከምዘሎ ኮይኑ ስዊዘርላንድ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኣይኮነትን። ይኹን እንበር መብዛሕቲኦም ጎረባብቲ ዓዲታት፤ ጀርመን፣ ፈረንሳይ ጥልያን ኦስትሪያ ግና ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ እዮም። እዚኦም ከባቢታት ሰለስተ ዋና ዋና ቋንቋታት ዝዝረባሎም እዮም - ጀርመንኛ፣ ፈረንሳይኛን ቋንቋ ጥልያን - ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ሓደ ቦታ ይራኸቡ እዮም።

 

ስዊዘርላንድ ከም መጠን ናይ ምዕራብ ኤውሮጳ ማእከላይ ክፋል ኣብ መንገዲን ባቡር ትራንስፖርት ጠቃሚን ዓቢይ እጃም እያ ትጻወት። እቲ ሓደ ዋና ጠቃሚ ናይ ትራንስፖርት መራኸቢ ናብ ሰሜንን ደቡብን ዝወስድ ከምኡውን ብስዊዝ ኣልፕስ - Gotthard Pass ኣቢሉ ዝሓልፍ መንገዲ እዩ።

 

ስዊዘርላንድ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ ዓዲታት እታ ብጣዕሚ ዝነኣስት ዓዲ እያ ናይቲ ዓዲ ትሕዝቶ ስሕት 41,300 ኪ.ሜ2። ምስ ዴንማርክ ዝነጻጻርን ፍርቂ ኦስትሪያ እያ። ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ሸሞንተ ሚሊዮን ንላዕሊ ህዝቢ ይነብር። ካብ 60% ንላእሊ ዝኮውን ብዝሒ ህዝባ ኣብ መንጎ 20 ክሳብ 64 ዕድመ ዝርከብ እዩ (ምንጪ ቤት ጽሕፈት ስዊዝ ፌደራል ስታትስቲክስ 2018)