ስዊዘርላንድ

ማዕርነት

ኣብ ስዊዘርላንድ ደቂ ተባዓትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ድዮም?

ኣብ መንጎ ደቂ ተባዓትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ማዕርነት ካብ 1981 ጀሚሩ ኣብ ሕገ መንግስቲ ስዊዝ ብንጹር ተቀሚጡ ይርከብ። ቤት ጽሕፈት ፌዴራል ማዕርነት ጾታ ኤፍኦጂኤ ኣብ 1988 ተጣይሹ። ካብ 1996 ጀሚሩ ናይ ስዊዝ ሕጊ ጾታ ማዕርነት ከምሕጊ ኣብ ስራሕ ዝወዓለን ኣብ ከባቢ ክፍሊት ስራሕ ዝኮነ ይኹን ኣፈላላይ ምግባር ዝክልኽል እዩ። እዚ ክልከላ ኣፈላላይነት ኣብ ኩሎም ቦታታት ናይ ስራሕ ሕይወት፣ ሹመት፣ ክፍሊት፣ ዕብየት ትምህርቲን ስልጠናን ወይድማ ኣብ ምቁራጽ ውዕል ስራሕ ተግባራዊ ዝከውንዩ። ብሲቪላዊ ኩነታት ቤተሰብ ወይድማ ጥንሲ መሰረት ጌሩ ዝግበር ኣፈላላይ ዝተከልከለዩ።

 

ናይ ማዕርነት ስፍሕቱ ካብ ማዕረ ዕድል ንላዕሊን ማሕበራዊ ወይድማ ባሕላዊ ሓዋሕው ዝረኣዩ ዘይማዕርነት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እዚ ፅንሰ ሓሳብ ኣብ መንጎ ክልተ ጾታታት ዘሎ ዝርጋሐ ስራሕ ማዕርነት ዘርእይ እዩ። ስለዚድማ እዚ ሕጊ ጾታ ማዕርነት ንኹሎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዓትዮን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንዝተጓነፉዎ ኣፈላላይ ንባዕሎም ክከላከሉ ዝሕግዝ እዩ። ኣብ ውሸጢ ስድራ ቤት ስራሕ ቁፃር ወይድማ ኣብ ስራሕ ቦታ ናይ ርክብ ስጋ ጥቅዓታት ኣንትበደሕዋም።

 

ካብ 1988 ጀሚሩ ናይ ስዊዝ ናይ ጋብቻ መርዓ ሕጊ ብመርሕ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዓትዮ ዝገበሩ እዩ። በዚ ሕጊ መሰረት እዘኦም ገዛን ሕፃወንቲ ዝመርሑ ጸምዲታት ወይድማ ንካልኦት ጸምዲታት ፕሮፌሽናላዊ ሞያ ሓገዝ ዝህቡ ወይድማ “ግልጋሎት ንግዲ ዝወንኑ ግልጋሎቶም ብነፃ ብምሃብ” ካብቶም ሕግታት እቶት ወይድማ ንብረት ከይበጽሖም ይሕልው።