ፖለቲካ

ሲቪላዊ መሰላት

ኣዚዮም ኣገዳሲ ዝኾኑ ሲቪላዊ መሰላት እንታይ እዮም?

ዜጋታት ስዊዘርላንድ ብንቅሓት ቅርጺ ፖሊሲ ንምትሓዝ ሰፊሕ ብርኪ ዕድል ኣለዎም። እዚ ዕድሚኡ 18 ዓመትን ዕድሜኦም ናብ ብዙሓት ዝበፅሑ ዝኮነ ይኹን ሰብ ዝምልከትዩ ከምኡውን ዜጋ ስዊዝ ንዝኮኑ ዘምልከትዩ። እዚኦም ዝስዕቡ ሓጺር መብርሂ ዋና ዋና ጠቀምቲ መሰል ሲቨል ውልቀ ሰባትዮም

 

  • መረጻ ምክያድ፡፡ ኣብ ሕድ ሕድ ዓርባዕተ ዓመታት ዜጋታት ስዊዘርላንድ ዝውክሎም ኣባል ፓርላማ ይመርጻ። ከምኡውን ኮንቶንን ፈራሚ ስራሕ ቤት መዘጋጃ ይመርጹ። ናይ ኣወራጃ መንግስቲ ብካሊእ ኣበሃህላ ብሰባት ዘይምርጽ ይኹን እንበር ብሃገራዊ ፓርለማ ዝሕጸ ወሰነ ይህቡ።
  • ናይ ምምራጸ መሰል፡፡ ኣብ ዝካየድ ምርጫታት መረጸቲ ኣብቲ ዋና ዋኒን ወይድማ ሕጊታት ከባቢ ካንቶንን ብፌዴራል ብርኪ ዝካየድ ኣብ ዓመት ብዙሕ እዋናት ወሰነ ክህቡ ይግበር። ንኣሸቱ መዘጋጃ ቤታት ድማ ኣኬባ መዘጋ ቤት ይገብሩ። ዜጋታት ብሓባር ኣብ ከባቢኦም ናይቲ ከባቢ ዋኒን ጉዳይ ብሓባር ኮይኖም ውሳነ ይህቡ።
  • ምልዓዓልን መሰል ሪፈረንደም ዜጋታት ሕጋዊ ናይ ምልዓዓል ሕዝቢ ብምግባር ናይ ፌዴራል ሕገ-መንግስቲ ንክልውጥ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም። ከምኡውን ሪፈረንደም ክግበርን ፓርላማ እዚ ብመንቀሊ ናይ ሕዛቢ ናይ መወዳእታ ወሳነ ክግበር ድፋኢት ክገብሩ ይክእሎዮም። ነዚ ጀማሮ እዚ ዝተወሰነ ሕጋዊ ቁጸሪ መረጸቲ ወይድማ ሪፈረንደም ሓተትቲ ከቅርቡ ኣለዎም። መረጸቲ እዚ ምልዓዓል ወይድማ ሕቶ ረፈረንደም ብፅሑፋ ኣብቲ ኣቤቱታ ጥርዓን ፈሪምም ኣብ ንጻር መወዳእታ እዋን ድሕሪዚ ሰባት ኣብ መረጻ ናይ መወዳእታ ቃሎም ይህቡ።
  • መሰል ኣቤቱታ ጥርዓን ምሃብ እዚ ንኹሉ ሰብ ዝጋብዝ እዩ ሰደተኛታት ሓወሱ ሕቶታቶም ሪኢቶን ጥሪዓን ንዝምልከቶ በዓል ስልጣን ከቅርቡ ይክእሉ። በዓል ስልጣናት ብመሰረት ዝቀረበ ኣቤቱታ ዝኮነ ይኹን ነገር ክገብሩ ድፋኢት ኣይግበረሎምንቶ ይኹን እንበር እንተወሓደ ኣብቲ ኣቤቱታ ጥርዓን ዝቀረበ ዝምልከቶ ኣካል ኣፍልጦ ይህብ።