ስምምዕ ምውህሃድ

ስምምዕ ምውህሃድ

ስምምዕ ምውህሃድ እንታይ እዩ?

ሕጊ ፌደራል ስዊዝ ዜጋታት ወፃኢ ምስ ነባራይ ምውህሃድ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝከውን ይግልጽ። ዝውሃብ መንበሪ ፍቓድ ዜጋ ወፃኢ ብዝገብር ባህላዊና ማሕበራዊን ምውህሃድ ከምኡድማ ክእለት ቋንቋ ከምዝውሰን ይገልጽ። ስለዝኮነ ድማ ስደተኛታት ኣብ ትምህርቲ ምውህሃድን ቋንቋን ክሳተፉ ስምምዕ ግዴታ ይኣትው።

 

ካብ ስፕሪንግ 2012 ጀሚሩ ናይ Graubünden ካንቶን ካብ ሳልሳይ ዓለም ብምምፃእ ምስ ስድራቤቶም ምስ ዝጽምበሩ ሰባት ስምምዕ ምውህሃድ ይፍጽም ኣሎ። ናይዚኦም መደባት ዕላማ ድማ ብዛዕባ ሕድ ሕድ ውልቀ ሰብ ገምጋም ንምግባር፣ ናይ ቋንቋን ናይ ማሕበረሰባዊን ምውህሃድ ንዘለዎም ረብሓታት ንምሕባርን ሓደ ቋንቋ ንምልማድ ዘለው ከይዲታት ብንጹር ንምግላጽን እዩ።

 

ኣብ ቐረባ እዋን ካብ ሃገራት EU/EFTA ንዝመጽኡ ሰባት ንነዊሕ እዋን ንዝህልዎም ማሕበረሰባዊን ሞያዊን ምውህሃድ ብዝያዳ ንምምላጥ ውልቀ ሰባዊ ናይ ምውህሃድ ምኽሪታት ይወሃቦም።

ርክብ

ርክብ

  • Fachstelle Integration Graubünden

    ናይ Graubünden ናይ ጉዳይ ውህደት ዲፓርትመንትGrabenstrasse 17001 Chur081 257 26 38www.integration.gr.ch