ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃድ

ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃድ

ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃድ

ብዛዕባ ዘለኩም ምውህሃድን ጉዕዞን ዝ‘ኑ ዓይነት ጉዳያት መልሲ ዝትረኽባሉ እቲ ቐዳማይ መወከሲ ኣብ ቹር/Chur ዝርከብ ማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ እዩ። ጉጅለ ማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ ምክሪን ሓበሬታን ዘቕርበልኩም ክከውን ከሎ ንኣብነት ናብ Graubünden ሕጂ እየ መጺኤ ሓበሬታ እንዳደለኩ እየ ደቀይ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንዳለመዱ ንክዓብዩ ብከመይ ይሕግዞም? ወይድማ ብፅቡቕ ቋንቋ ጀርመን ዝመሃራሉ ቦታ ኣበይ ይርከብ? ንዝብሉ ሕቶታትኩም መልሲ ይህብ። ሕቶታትኩም ብማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ ዘይሽፈን እንተድኣ ኮይኑ መልሲ ትረክብሎም መወከሲታት ይሕብርልኩምን ይመርሕኩምን። ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝዝረቡ ቋንቋታት ምኽሪ ንምርካብን ንዝህልው ሕቶታት መልሲ ንምሃብን ኩሉ ግዜ ሓሙስ ድሕሪ ፋዱስ መማኸርቲ ቋንቋ ትረኽቡ ኢኹም። ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስቲ ዕለታዊ ናብራ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለው ናይ ሓበሬታ ወረቓቕቲ ኣብ ዴስክ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም።

 

መኽፈቲ ሰዓታት

ሰሉስ: 2pm – 4:30 pm

ሮቡዕ: 1:30 pm – 5pm

ሓሙስ: 1pm – 6:30pm (ምስ ናይ ቋንቋ ምኽሪ)

 

ዓለሻ

ዓለሻ

  • Informationszentrum Integration Graubünden

    ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃGrabenstrasse 17001 Chur081 257 36 83 / 081 257 26 38www.integration.gr.ch

ምኽሪ ቋንቋ

ኩሉ ግዜ ሓሙስ ሓሙስ ኣብ ቹር/Chur ዝርከብ ማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ ኣብ ቋንቋ ጀርመን ሓደንሓደ ምኽሪ ይህብ። ባዓል ሞያታት ቋንቋ ንናትኩም ክእለት ቋንቋ ብምግምጋም ብቐሊሉ ንምምሃር ትኽእልሉ መንገዲ ይሕብሩ። ዝህብዎ አገልግሎት ብነፃ እንትኮን ምምዝጋብ ኣየድልየኩምን ኮይኑ ግና ቁጽሪ ክትሕዙ አለኩም።

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Informationszentrum Integration Graubünden

    ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃGrabenstrasse 17001 Chur081 257 36 83 / 081 257 26 38www.integration.gr.ch