ኣፈላላይ ምግባር

ኣፈላላይ ምግባር

ነብስኹም ካብ ኣፈላላይነትን ዓሌታዊነትን ከመይ ክትከላኸሉ ትኽእሉ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ሰባት ብዘለዎም ዘርኢ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት ምኽንያት ብግልጺ መጥቓዕቲ ምፍጻም ወይ ኣብዚኦም ሰባት ምግሓስ ሰብዓዊ መሰል ብዘስዕብ መንገዲ ኣፈላላይ ምግባር ብሕጊ እታ ሃገር ኣይፍቐድን እዩ። ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣፈላላይ ምግባር ዝተከልከለ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ገበን ብሰንኪ ዓሌት ዝግበር ኣፈላላይ ብሕጊ ዘኽስስን ብገበን ተሓታቲ ዝገብርን ተግባር እዩ።

 

ንዓሌታዊ ኣፈላላይ ተግባር ክትቓለዑ ከለኹም ካብ ማእከል ርክባትን ሓበሬታን ምኽሪ ክትሓቱ ትኽእሉ። ተዛማዳይ ሓበሬታ ኣብ «RassistischeDiskriminierung» መምርሒ ሕጊ ንምርካብ ይክእሉ። ብቤት ጽሕፈት ቃልሲ ዓሌታዊነት (Office for Combating Racism) ዝሓቶም ክኸውን ከሎ ብነፃ ንምውራድ ድማ ይኽእሉ።