ኣገልግሎት ማሕበራዊ ምኽርን ማሕበራዊ ረብሓታትን

ኣገልግሎት ማሕበራዊ ምኽርን ማሕበራዊ ረብሓታትን

ኣገልግሎት ማሕበራዊ ምኽርን ማሕበራዊ ረብሓታትን

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት ግራይሶንስ (Grisons Social Security Office) ኣብ ጉዳይ ምኽሪ ውልቀሰብን ስድራቤት ከምኡውን ቁጠባዊ ማሕበራዊ ሓገዛት ሰፊሕ ተሳታፍነት ይገብር፡፡

 

ውልቃዊ ማሕበራዊ ምኽሪ

ኣብ ዞባዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውልቃዊ ምኽሪ ክህቡ ሓላፍነት ኣለዎም፡፡ ተወሳኺውን ዞባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምክልኻል ቆልዑ ብፍሉይ ዝሰርሑ፡ ምሕጋዝ ግዳያትን ኣብ ጉዳይ ወልፊ ዘተኩራ ፍሉያት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣለዋ፡፡ ሓፈሻዊ ዝርዝራት ናይ ዞባውን ፍሉያት ማሕበራዊ ኣገልግሎት “ኣድራሻታትን መራኸቢን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ክርከብ ይከኣል፡፡

 

ፊናንሳዊ ማሕበራዊ ሓገዛት

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰሪሑ/ሓ ክበልዕ/ ክትበልዕ ሓላፍነቱ/ታ እዩ ግዜያዊ ወይ ቀጻሊ ፊናንሳዊ ጸገማት ዘለዎምን ባዕላቶም ክፈትሕዎ ዘይክእሉን ሰባት ማሕበራዊ ረብሓ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዚ ንኽማላእ ግን እቲ ሰብ ኣብ ዞባ (ካንቶን) ግራይሶንስ ዝነብር ክኸውን ኣለዎ፡፡

 

ማሕበራዊ ረባሓ ዝወሃብ ሓደ ሰብ ካልእ ሕጋዊ መሰሉ ረብሓታት ዘይረክብ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ንኣብነት ከም ረብሓታት ናይ ጡረታ ዝኣመሰሉ እዮም ብተወኺውን ቤተሰቡ ዘይኣልይዎ እንተኾይኖም እዩ፡፡ እዞም ማሕበራዊ ረብሓታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ብውልቀሰብ ደረጃ ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ዝቕምሩ ኮይኖም ውልቃዊ ኩነታት፡ ዋጋ መነባብሮ፡ ኩነታት ኣታዊን ኣብ ሓገዝ ዝጸንሑሉ እዋንን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ እዩ፡፡

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Kantonales Sozialamt Graubünden

    ናይ Graubünden ካንቶን ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ቤት ጽሕፈትGrabenstrasse 87000 Chur081 257 26 54www.soa.gr.ch