ንተምሃሮ ዝግበር ሓገዝ

ናይ Graubünden ቤት ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ኣገልግሎት

ቤት ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ኣገልግሎት እንታይ ይገብር?

ሕጻናት ቆልዑት ሽግር እንተድኣሃልይዎም ናይ ስነ-ኣእምሮ ኣገልግሎት ንመምህራንን ወለዲ ምክሪ ይወሃብ። ሕድሕድ ሕጻናት ትምህርቲ ክከብደምን ድኹም ውጽኢት ከመዝግቡ ይክእሉ እዮም። ገለ ገሊኦም ድማ ናይ ኣትኩረት ምንኣስ ከጋጥሞምን ኣብ ምክትታል ትምህርቲ እዋን ምርግጋዕ ከስእኖም ይክእል እዩ። ካሊእ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ/ሓንቲ ሕፃን ምስ ዕድመ መሓዙቱ ምክንያት ቤት ትምህርቲ ምክያድ ክፀልኦ ይክእል እዩ።

 

ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክኢላ ሳይኮሎጂ ምስቲ ቆልዓን ምስ ወለድቲን ይመያየጥ። እቲ ክኢላ ዘለዉ ጸገማት ብንጹር ንምፍላጥ ፈተናታት ክጥቐም ይኽእል። ካብኡ ድማ እቲ ክኢላ ሳይኮሎጂ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኽቦም ውጽኢታት ምርኵስ ብምግባር ንጸገም እቲ ቆልዓ ፍታሕ ንምሃብ ብሉጽ ዝኾነ ሜላ ብንጹር ይሕብር።ሕጻናት

 

ናይ ቤት ትምህርቲ ናይ ስነ-ኣእምሮ ባዓል ሞያ ንቲ/ታ ቆልዓ/ሕፃን ሕክምና/መማከሪ ተወሳኪ ትምህርቲታት ወይድማ እቲ/ታ ቆልዓ/ሕፃን ናብ ካሊእ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ክዛወር ሓሳብ ከቅርብ ይክእል እዩ። ሓደሓደ እዋን ሕጻናት ብዝሓሸ ንምሕጋዝን ንምብርትታዕን ብዝከኣለሉ መንገዲ መምህራን ምምካር ጉዳይ ከድልይ ይክኣል እዩ።

 

ኣገልግሎት ሳይኮሎጂ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምምሕዳር ካንቶን Graubünden ሓያሎ ዞባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዎ።