ንተምሃሮ ዝግበር ሓገዝ

ኣብ ጸገማት ሓገዝ ምሃብ

ውሉደይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጉስ ኣይኮነን ወይ ብዛዕባ ዝኾኑ ጸገማት ሓገዝ ይደሊ እዩ

ብሓባር ፍታሕ ክትረኽቡ ምእንታን ብዛዕባ እዚ ነቲ መዋዕለ ሕጻናት ወይ ነቲ ቤት ትምህርቲ ምዝርራብካ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሕጻናት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ባዓልሞያ ወይድማ ናይ ፍሉይ ድልየት መምህር የዛርቡ። ምስቲ ናይቲ ከባቢ ባዓልስልጣን ቤት ትምህርቲ እንተተዛሪቦም ጽቡቕ እዩ።

 

ሕጻናት ሽግር ኣብ ዝገጥሞም እዋን እርዳታ ምርካብ ኣለዎም። ንዝተፈላለዩ ሽግራት ነጻ ሓገዝ/ እርዳታ ምርካብ ይክእሉ። ደቆም ናይ ምዝርራብ ጸገም እንተሃልይዎም ናይ ምዝርራብ ባዓል ሞያ ክሕግዞም ይክእል እዩ። ናዳሌዝያ (ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣልን) ብባዓልሞያ ምንባብን ምፅሓፍን ዘስዕብዎ ጸገም ክሕግዞም ይክእሉ እዮም። ናይ ሳይኮሞተር ባዓል ሞያ ኣብ ኣካል ምንቅስቃስ ዝፈጥሩ ሓደሓደ ጸገማት ክርድእዎም ይክእሉ። ካብዚ ብተወሳኪ ተማሃሪ ብናይ ፍሉይ ትምህርቲ ድልየት ዝሕግዙ ብግል ሞያታት ኣለው።