ንተምሃሮ ዝግበር ሓገዝ

ናይ ወጻኢ ዓዲ ቋንቋታት ዝዛረቡ ቆልዑት

ዝተፈላለዩ ቋንቋ ዝዛረቡ ሕጻናት እንታይ ቀረቡሎ?

ኣብ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ቋንቋ ምዝራብ ዘይክእሉ ሕጻናት ዝተፈላለየ ናይ መከሓሓሲ ትምህርትታት ይወሃብ። ካብዚ ተወሳኪ ናይ መጠናከሪ ትምህርቲ ብነፃ ዝወሃብ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ሕጻናት እዚይ ትምህርቲ ቤት ካብ 1ይ ክሳብ 2ይ ዓመታት ንምፅናሕ ይግደድ።

 

ኣዚዮም ውሑድ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ኻሊእ ቋንቋ ንዝዛረቡን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ Graubünden ካንቶን ንዝመጽኡ ቆልዑት ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ይህቡ እዮም፡፡ እቶም ቆልዑት ምስ ቤት ትምህርቲ ንክወሃሃዱ ንምሕጋዝ ኣብዚ ክፍሊ ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ብቋንቋ እቲ ቤት ትምህርቲ ጽዑቕ ትምህርቲ ይወሃቦም።

 

ዝተወለደሉ/ትሉ ዓዲ ቋንቋን ባሕሊን ትኩረት ዝገብሩ ትምህርቲታት (heimatlicher Sprache und Kultur - HSK) ምውሳድ ኣብ ድልየት መሰረት ዝገበረ እንትከውን ይኩን ደኣምበር ሕጻናት እዚ ትምህርቲ ክረክቡ ይምከር። ሕጻናት እዚ ትምህርቲ ረኪቦም ዝመጽእሉ ትውልድ ዓዲ፣ ቋንቋን ባሕሊን ዘለዎም ፍልጠት ከስፍሕ/ ክዓብይ ይክእል እዩ። እዚ ትምህርቲ ብወለዲን ማሕበራትን ብኢንባሲ ዝተዳለወ እዩ። ሕጻናት ኣፍ መፍትሒ ቋንቋኦም ብዝሓሸ ኩነታት ምሕላው ኣብዝክእልሉ እዋን ናይ ከባቢ ቋንቋ ንምልማድ ቀሊል ይ‘ነሎም።