ደንጉዮም ዝመጹ መንእሰያት

ደንጉዮም ዝመጹ መንእሰያት

ደንጉዮም ዝመጹ መንእሰያት

ትምህርቲ ኣብ ተኽእሎታት ተሳትፎ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ወሳኒ እጃም ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ሃገሮም እቲ ናይ ግዲ ትምህርቲ ዛጊት ዝወድኡ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ መንእሰያት፣ ምስ ስድርኦም ንምጽንባር ናብ ስዊዘርላንድ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ መስርሕ ሞያዊ ትምህርቲ ናይዚ ሃገር ክኣትዉ ኣገዳሲ እዩ።

 

እቲ ምእታው ምእንቲ ክዕወት ግና ገለ ክማልኡ ዝግብኦም ቅድመ ኩነታት ኣለዉ። ትምህርታዊ መሰረተ ፍልጠት ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ጀርመንን ቁጽርን፣ ከምኡውን ከም ናይ ኣጸናንዓን ኣሰራርሓን ተክኒክ፣ ናይ ኣመሓዳድራ ነገራትን ብልሓት ኣፈታትሓ ጸገማትን ዝኣመሰሉ ብቕዓት ክህልዎም የድልይ።

 

ብፍላይ ንተዛረብቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ዝተዳለው ናይ ሞያዊ ስልጠና ቀረባት፣ ኣብ ናይ መሳገሪ ቀረባት (Brückenangebot) ወይ ኢደ ስራሓዊ ስልጠና (Lehre) ደገፍ ይህቡ።