ቤት ትምህርቲ

ናይ ቤት ትምህርቲ ውጽኢታት

ናይ ቤት ትምህርቲ ውጽኢታት

ነፍስ ወከፍ ናይ ትምህርቲ እዋን ክዛዘም ከሎ ኣብ Graubünden ግዝኣት ዝርከቡ ተመሃሮ ተወሳኪ ናይ ግሊ ማህደር ኣካላት ዝክእል ናይ ውጽኢት ሪከርድ ይቅበሉ። እቲ ሪፖርት እቲ/ታ ቆልዓ ዝርከበሉ ናይ ትምህርቲ ብርኪ (ብቅዓት) ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ፃዕሪ ምስ ማሕበረሰብ ዘለዎ/ዋ ናይ ምርድዳእ ክእለት ይገልፅ። ኣብ ቀዳማይ (1ይ) ወይድማ ካልኣይ (2ይ) ዓመት ትምህርቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ኣብ ሪፖርት ውጺኢት ካርድ ወይድማ ብለባም መልክዕ ክቀርብ ይክእል እዩ።

 

ናይ ውጺኢት ኣወሃህባ ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ

ትርጉሙም ከምዝስዕብ እዩ:-

 

1- ብጣዓሚ ድኹም
2- ድኹም
3- ዘይእኹል
4- እኹል
5- ጽቡቕ
6- ብጣዕሚ ጽቡቕ

 

እቲ ሪፖርት ብፍርቂ ቁጽሪውን ክግለጽ ይክእል። ንኣብነት 4.5 (ዘእግብ) ወይ 5.5 (ብጣዕሚ ጽቡቕ)

 

ኣብ ሪከርድ ወላዲ ምፍራም ኢንተሃልይዎ ደቆም ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምልስዎም ኣለዎም።

ናብ ኻሊእ ክፍሊ ምሕላፍ

ናይ ትምህርቲ ዓመት ኣብ ዝውድእሉ እዋን ሓላፊ ምምህር እቲ ተማሃራይ/ት ናብ ቀፃሊ ክፍሊ ይሕለፉ ወይድማ ኣይሕለፉ ዝብል ይወስን። እዚ ሓላፊ ክፍሊ መምህር ነቲ ቆልዓ ምስ ዘምሃሩ ካልኦት መምህራን ይመካከር። ኣብ ምይይጥ መምህራንን ተማሃሮን ክንደይ ዝከውን ናይ ትምህርቲ ሽቶ ከምዘርእይ። ጻዕርን ማሕበራዊ ክእለት ክንደይ ናይ ዕብየት ኣርኢና ዝብል የመዛዝኑ።

 

ብተመሃራይ ምሕላፍ/ምውዳቕ ውሳኔ ቅድሚ ምትሕልላፉ መብዛሕትኡ እዋን እቲ መምህር ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ዋኒናት ምስ ወለድን ተምሃሮን ብምርኻብ ምይይጥ ይግበረሎም።