ቤት ትምህርቲ

ዓይነታት ትምህርቲ

ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ይረክቡ?

ብኣጠቃላሊ ኣብ Graubünden ከባቢ ንዝርከቡ ሕጻናት ዝስዕቡ ዓይነታት ትምህርቲ ይወሃቦም:- ጀርመን (ሮማንያኛ ንሮማንያ ቋንቋ ተዛረብቲ ማሕበረሰብ ንዝነብሩ ከምኡውን ጣሊያንኛ ኣብ ናይ ጣሊያን ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ይወሃብ። ካብዚ ብተወሳኪ 2 ቋንቋታት ዝዛረቡ ቤት ትምህርቲ ዝወሃቦም ማሕበረሰባት ኣለው።) ሒሳብ፣ ሳይንስ፣ ፅሑፍ፣ ናይ ሰውነት ምንቅስቃስ፣ ሙዚቃ ጥበብ፣ ዲዛይን (ቅርጺ)ን፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንግሊዝኛ፣ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ መብዛሕትኦም ተማሃሮ ብስሩዕ ምስ ኩሎም ተማሃሮ ምይይጥ ይገብሩ (ናይ ክፍሊ ውሽጢ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት) የሳልጡ።

 

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዝትነብራሉ ማሕበረሰብ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቤት ትምህርቲ ተወከሱ።