ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እንታይ እዩ?

ኩሎም ኣብ ስዊዘርላድ ዝነብሩ ሕጻናት ናይ 1ይ (መጀመርታ) (ትሽዓተ) 9 ናይ ትምህርቲ ዓመታት ግዴታ እዮም። ካብዚ ኣገዳዲ ትምህርቲ ቀጺሉ ዝመጽእ (ዝቐርብ) ላዕለዋይ (2ይ) ብርኪ ትምህርቲ ስለ ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ትምህርቲ ወይድማ Gymnasium, Kantonsschule,“Gymi” ወይድማ “Kanti” ተባሂሎም ይፍለጡ። እዚ ትምህርቲ ምክትታል ግዴታ ኣይኮነን ናብ ዝለዓለ ካልኣይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግቡ ይግባእ። 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ baccalaureate ብምርካብ ይጠናቀቕ። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ከም ዩኒቨርሲቲ ዓይነት ናይ ትምህርቲ ትካላት ውሽጢ ንምእታው ኣድላይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈለየ baccalaureate ወይድማ ናይ ፌደራል ሞያ baccalaureate ዝወሃብ ላዕለዋይ (2ይ ብርኪ) ቤት ትምህርቲ ኣሎ።