ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ምዝገባ

ኣብ ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከመይ ክትምዝገብ ትኽእል?

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣብ 8ይ ክፍሊ ወይ 9ይ ክፍሊ ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኸቡ ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ Kantonsschule ወይ ናብ Gymnasium ንምእታው ዝወሃብ ፈተና ክወስዱ ይኽእሉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት እቲ መደብ ትምህርቲ ምቹው ኣብዝኾነ ግዜ ንተምሃሮ ይወሃብ፤ ከምኡውን ብወለንትኦም ዝሳተፋሉ ተወሳኺ መእተዊ ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብ ቤት ትምህርቲ መባዕታ ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ብቐጥታ ናብ ላዕለዋይ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክሓልፉ ዝኽእላሉ መማረጺውን ኣለዎም። ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ብቐጥታ ናብ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንዝሓልፉ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ Kantonsschule ዝህልዎም ናይ መጀመርታ 3 ዓመታት ኣገዳሲ ናይ ዝኾነ እዋን ትምህርቲ ክፋል ተገይሩ ይቑጸር።