ሕጻናት

ናይ ቋንቋ ትምህርቲ

ደቐይ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ንክመሃሩ ከመይ ክሕግዞም እኽእል?

ሕጻናት ናይ ኣዲኦም ቋንቋ ብዝሓሸ መንገዲ ምዝራብ እንትክእሉ ብቀፃልነት ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ምምሃር ይቀሎም እዮም።

 

ኣብ ገዛ ውሽጢ ስራሕ ኣብ ዘስልጡሉ እዋን ሕጻናት ደቆም የዘራርቡ። እንተድኣ ኣዛሪበምዎም የድምፂ መልሲ ይሃብዎም። ናብ መፃወቲ ሜዳ በረኻ፣ ሃይቅን ናይ እንስሳታት መሓላዊ ሒዘሞም ይኪዱ፣ ስለትርይዎ ነገር ኩሉ ይንገርዎም ምክንያቱ ድማ ብዙሕ ሓደሽቲ ቃላት ክፈልጡ ይግበሩ። ናይ ኣፈ ታሪክ መፃሕፍቲ ምስ ሕጻናት ሓቢሮም ብምካድ ይመልከቱ የንብብሎም።

 

ናይ ሕጻናት መፃወቲ ከፊቶም ምስ ካልኦት ናይ ስዊስ ሕጻናት ብምሕዋስ ዕድል ይጠቀሙ። በቲ ናይ ዓዲ ቋንቋ (ስዊዝርላንድ) ሓደሽቲ ቃላት እንትመሃሩ የበረታትዕዎም። እዚ ምግባር ብዝበለፀ ክማሃር ይገብር።

 

ሰነዳት