ሕጻናት

ምክሪ ንወለዲ

ምክሪ ንወለዲ

ህጻናትን ዕሸላትን ውላድ ዘለዎም ስድራ ንኣማኸርቲ ወለዲ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብኡ ንሕቶታት ኣመጋግባ፣ ክንክን፣ ኣተሓሕዛ፣ ኣተዓባብያ ቆልዓ ዝምልከት ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ። ቆልዓኹም ኣዘውቲሩ ዝበክይን ዘይርጉእን እንተ ኾነን ኣብኡ ምኽሪ ምርካብ ትኽእሉ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናይ ምኽሪ ማእከል ክትከዱ ትኽእሉ። ድልየትኩም እንተ ደኣ ኮይኑ፤ ኣማኸርቲ ኣብ ገዛኹም ክበጽሓኹም፣ ወይ ብቴሌፎን ፣ ወይውን ናይ ኢንተርነት መስመራዊ ሓበሬታ ክህባኹም ይኽእላ።

 

ሓበሬታ ብዛዕባ ቀረባት ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ናይ ዞባኹም ዝምልከት ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ ኣብ ምምሕዳር ትረኽቡ።