ኣብ እዋን ዕረፍቲ

ምስ ካልኦት ምጽዋት

ውላደይ ኣበይ ምስ ካልኦት ቆልዑ ክጻወት ይኽእል?

ህዝባውያን ቦታታት ጸወታ ንኹሎም ወለድን ቆልዑን ክፉታት እዮም። ቆልዑ ኣብ ሑጻ ክጻወቱ፣ ሰለል ወይ ሸታሕታሕ ክብሉ ይፈትዉ። እምበኣር ከም ዝተኻእለ መጠን ብምድግጋም ንውላድኩም ናብ ጥቓኹም ኣብ ዝርከበ ህዝባዊ መጻውቲ ብምውሳድ ጥዑይ ኣተዓባብያ ንኽረክብ ደግፍዎ።

 

ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ናይ ዝዕድሚኦም ህጻናት፣ ንገለ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ናይ ሰብ ሞያ ምእላይን ደገፍን ዝረኽባ ናይ ጸወታ ጉጅለታት እውን ኣለዋ። ኣብ ብከምዚ ዝበለ ጉጅለታት ውላድኩም ምስ መሳቱኡ እናተዘናግዐ ንመዋእለ ህጻናትን በት ትምህርትን ዝጠቕም ልምምድ ከጥርይ ይኽእል። ሓበሬታ ብዛዕባ ቀረብ ናይ ጸወታ ጉጅለ ኣብ ዞባኹም ካብ ትነብሩሉ ኮም ክትረኽቡ ትኽእሉ።