ኣብ እዋን ዕረፍቲ

ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት

ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት

ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት፣ ንቆልዑን፣ መንእሰያትን፣ ኣባጽሕን ኣብ መስርሕ ዕቤት ርእሶም ምኽኣል ይድግፍ። ኣብ ካንቶን ግራውብዩንደን (Graubünden) ኣብ 50 % ካብተን ኮማት ሞያዊ ዝኾነ ቀረባታት ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት ይርከብ። ኣብ መብዛሕትአን ኮማት ኣባይቲ መንእሰያት ይርከብ። ኣጋምሸት፣ ረቡዕ፣ ዓርቢ፣ ወይ ምሸት ቀዳም ከኣ ይኽፈት። ናይ መንእሰያት ዕዮ ደገፍ ገንዘብ ዘይክፈሎን ንኹሉ ክፉትን እዩ።

 

ዕላማ ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት ቆልዑት፣ መንእሰያትን ኣባጽሕን ኣብ ሓባር ህይወት፣ ማሕበራዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ምትእስሳራት ፈጢሮም፤ ብዕግበት ናይ ገዛእ ርእሶምን ናይ ሕብረተሰቦምን ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ኣብ ኩሉ መስርሓት እጃም ከብርክቱ ንምብቃዕ እዩ። እዚ ከኣ ብፕሮጀክትታት፣ ብፍጻመታት መአከቢ መንእሰያት ብምቕራብ፣ ወይ ከኣ ናይ ተሳትፎ ቀረባት ንመንእሰያት ንቆልዑን መንእሰያትን ብምሃብ ክቃናዕ ይኽእል።

 

ኣብ ትነብሩሉ ኮም ብዛዕባ ቀረባት ዕዮ ደገፍ ንመንእሰያት ተወከሱ።