ሕጻናት ምዕባይ

ኣንጻር ሕጻናት ዝፍጸም መጥቓዕቲ

ደቀይ ክሓርሞም እኽእል ዶ?

ኣብ ሕጻናት ዝበፅሑ ጥቅዓት ኣብ ስዊዘርላንድ ተቀባልነት የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ ሕጻናት ምውቃዕ (ምህራም) ውጺኢቱ ኣሉታዊ ጥራሕ እዩ ዝኮውን። ምስ ደቆም ዝገብርዎ ርክብ ብዘላቂነት የበላሹዎ። ብተወሳኪ ዘይሞት እሞመንን ኣቅሚ ምስኣን ስሜዒት ኣብ ልዕሊ እቲ ቆልዓ ይፈጥር። ሕጻናት ምውቃዕ (ምህራም) ኣብ ባዕሎም ዘለዎም ተደላይነትን ኣብ ባዕልካ ዘሎ ምትእምማንን ስሚዒቶም ይደክም። ምናልባት እቲ ቆልዓ ሓይሊ ምጥቃም ከም ባሕታዊ ናይ ጎንጺ መፍትሒ መንገዲ ብምውሳድ ካልኦት ሕጻናት ምውቃዕ (ምህራም) ይጅምር። መብዛሕትኡ እዋን ዝውቅዕ ሕጻናት ንምቅራብ ኣፀጋሚ እዩ። እዚኦም ሕጻናት ብዝበለፀ ንኣካላዊን፣ ኣእውሮኣዊን ፀገም ዝጋለፁ እንትኮኑ ወይድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፀገም ክበፅሖም ይክእል እዩ።

 

ስለዚድማ ሕጻናት ምውቃዕ (ምህራም) ኣሉታዊ ውፂኢት ይህልዎ። ምናልባት ኣቦ/ኣዶ (ወለዲ) ጽቡቕ ኣብዘይኮኑሉ ኩነታት ጭንቀት ውሽጢ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ዘይግባእ ስጉምቲ ክፍፅሙ እንተኪኢልካ ወስን ነገር ግን ድሕሪኡ ብልላሹ ዝገብርዎ ምግባር እዩ። ወለዲ ይቅርታ ክሓቱ ይክእሉ: እዮም ቀፂሉ ኣብ ዘሎ እዋን ውሽጢ ግን በቲ መንቀሊ (መንስኤ) ሽግር ምክንያት ምስቲ ቆልዓ መዘራረቢ እዚ ዓይነት ኩነታት እንተተፈጢሩ ብምንታይ መልክዑ ዝሓሸ ምላሽ ምሃብ ከምዝክእሉ ወለዲ ምስ ደቆም ሓቢሮም ብምኻን ምሕሳብ ይክእሉ።

 

Elternotruf ማእኸል ኣገልግሎት ምኽሪ ንወለድቲ፣ ንስድራ ቤትን ንኣለዪቲን ኣብ ሕጹጽ ኩነታት ወይ ብዛዕባ ዕብየት ቆልዑት ንዘለዎም ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓት ሓገዝን ምኽሪን ይህብ። ብተሌፎን ወይ ብኢሜይል ዝወሃብ ምኽሪ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። እቲ ቁጽሪ ተሌፎን 0848 35 45 55 እዩ።