ሕጻናት ምዕባይ

ምስ ዕብየት ቆልዑት ርክብ ዘለዎም ጉዳያት

ብዛዕባ ዕብየት ሕጻናት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

“Pro Juventute ናይ ወለዲ ሓበሬታ ወረቀታት” ንምርዳእ ቀሊል ዝኮነ ትንታኔታት ዝሃወሱ ምስ ጠቓሚ ነጥቢታት አካቲቱ ሒዙ ይርከብ። ሕጻናት ደቆም ተወሊዶም ስድስት ዓመት ክሳብ ዝመልኦም ብስሩዕ ምስ ዕድሜ ሕጻናትን ኣተዓባቢያ ብርኪ ዝጠዓዓም ሓበሬታ ይቅበሉ። እዚ ተግባር ኣብ መብዛሕትኡ ግዚያት ተቀባልነት ዘለዎ እንትከውን ወረቀታት (ደብዳቤታት) ናብ ወለዲ ይልኣኩ። ወለዲ ንክበፅሖም ብቐጥታ Pro Juventute ምእዛዝ ይካኣል።

 

Pro Juventute “Our child” ዘርእስቱ ብሮሸር ብዝተፈላለየ ቋንቋ ኣሐቲሙሎ። እዚኦም ብሮሸራት ካብ ልደት ክሳብ ሽድሽተ ዓመት ንዘሎ ግዜ - ሓደ ብሮሸር ንሓደ ዓመት ኣገዳሲ ሓበሬታ ይህቡ እዮም።

 

ብዛዕባ ዕብየት ቆልዑት ቆልዓ ንዝወልዱ ስብዓይን ሰበይቲን ወይ ንመጻምድቲ ዘገልግሉ ፍጻመታትን ኮርስታትን ኣለው፡፡ ንኣብነት በይኖም ንዘባጽሑ ወለድቲ፣ ናይ ኻሊእ ዓዲ ቋንቋ ንዝዛረቡ ወለድቲን ንናይ ዝኣኸሉ ቆልዑት ወለድቲን። ናይ ወላዲ ትምህርቲ ብዛዕባ ዕብየት ቆልዑትን ምስ ደቆም ብዘለዎም ርክብን ዘለዎም ፍልጠት ብምሕያል ንወለድቲ ሓገዝን ደገፍን ይህብ።

 

ምናልባት ምስ ደቕኹም ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልኩም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ክሕልወኩም ይኽእል ወይ ዘለኩም ናጻ ግዜ ኣዚዩ ውሑድ ዲዩ? ንሶም ክዛረብዎ ዝክእሉ ቋንቋ ዝክእል ብቴሌፎን ዝካየድ ሓደ ንሓደ ምይይጥ ብጣዕሚ ጠቃሚ ክከውን ይክእል። ብፍላይ ወለዲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መልሲታት ዝህቡሉ ናይ ኢንተርኔት መድረክ ምይይጥ ኣለኩም። ገሊኦም ሕታማት ኢንተርኔትን ቤተሰባዊ መጽሔታትን ኣገደስቲ ሓበሬታታት ዘጠቓለለ ኣዚዩ ዝማዕበ ሓበሬታን ክፋላት ኣገልግሎትን ዘለዎ እዩ።