ሕጻናት ምዕባይ

ሕጻናት ምዕባይ

ቆልዑት ኣብ ምዕባይ እቲ ኣገዳሲ ነገር እንታይ እዩ?

ኣብ ዝኮነ ይኩን ናይ ዓለም ዙሪያ ዝርከብዎ ድልየታት ሕጻናት ተመሳሳሊ እዮም። ምቅራብን ምትንካፍ ነብሲ ድሕንነትን ፍቕሪ ዝርርብን መነቃቅሒ ንባባት ዝተፈላለየ ፍልጣትን ቀረቤታ ከምኡውን ኣብ ክእለቶም እምነት ዝሕድር ሰብ ይደልዩ።

 

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ሕጻናት ትሑት ኣርኣያ ዝገብሩ እንተኔሮም ምእራምን ካብ ቃል ዘይምውፃእ ይመሃሩ ኔሮም። ሕጂ ኣብ ዝርከብሉ እዋን ግን ካብዚ ንላዕሊ ንሕጻናት ናይ ውልቂ ጥንካሬታት ዘማዕብሉ መንገድታት ዝሓሸ ግምት ምሃብ ጀምሩ። ሕጻናት ልእለቶም ከመሓይሹ ዝገብር ኩነታት ንምምላእ ዝገብሩ ሓላፊነት ናይ ወለዲ ይከውን።

 

ሰነዳት

ሕጻናት ደቆም ብከመይ ናይ ውልቀ ጥንካሬ ምዕባይ ይክእል?

ሕጻናት ጊዜ ሂቦም ዘዛርቡዎምን ዝሰምዑዎምን ዓበይቲ ሰባት ይደልዩ እዮም። ሕጻናት ሓደሽቲ ነገራት ንክገብሩ ዘበራትዖም ሰብ ይደልዩ እዮም። ሕጻናት ክብድ ዝበለ ነገራት ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ዓበይቲ ከድንቅዎምን፣ ከድዕስዎምን፣ ክሕግዝዎምን ይደልዩ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ሕጻናት ጎንፂ ኣብዝፈጥርሉ እዋን እንታይ ምግባር ከምዘለዎም ብከመይ ምፍታሕ ከምዝግብኦም ዘርኢ ኣርኣያ ዝኮነ ሰብ ይደልዮ እዮም።

 

ወለዲ ኣቐዲሞም ካብ ዘይፍለጡ ሓደጋታት ንቆልዑት ክከላኸሉ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ንምግባር ደረታት ከቐምጡን ንጹር ሕግታት ክውስኑን ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺውን ቆልዑት ንነንብሶም ከመይ ኣቢሎም ባዕሎም ከምዝውስኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ናይ ባዕሎም መማረጺታ ከማዕብሉን ድሌቶም ብንጹር ክገልጹን ኣለዎም።

 

ደቆም ካብ ቁልዕነቶም እዋን ጀሚሩ ንስሜዒቶምን ኣተሓሳስብኦም ዘድልይ ግምት ክህቡ ይግባእ። ሕጻናት ኣርሶም ምግላፅ ንክክእሉ ድፍረት ይሃብዎም። ባዕሎም ክውስንዎ ዝክእሉ ርሕቀት ከቀምጡሎም ይግባእ። እዚ ናይ ደቆም ብባዕልካ ምትእምማን ዓቅሚን ናይ ባዕሎም ጥንካሬታት ንምሕናፅ ይሕግዞም።