ምእላይ ቆልዑ መዋእለ ህጻናትን ተመሃሮን

ውላደይ ሓሚሙ

ውላድኩም እንተ ሓመመ ንመን ከተፍልጡ ይግብኣኩም?

ውላድኩም እንተ ሓመመ ንኣለይቲ መዋእለ ህጻናት ወይ ንመምህር ክትሕብሩ ናይ ግድን እዩ። እምበኣር ቅድሚ ምጅማር ትምህርቲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ደውሉ፡፡
ገለ መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርቲታትን ናይ ብሕቲ ቁጽሪ ስልኪ እውን ይህቡ እዮም።

 

ውላድኩም እንተ ሓመመ ንክትኣልይዎ ካብ ስራሕ ከተብኩሩን ኣብ ገዛ ክትጸንሑን መሰል ኣለኩም። ንወሃብ ስራሕኩም ኣብ ዓመት ብምኽንያት ሕማም ውላድኩም ክንደይ መዓልታት ከተብኩሩ ከም ዝፍቀደልኩም ተወከሱ።