ምእላይ ቆልዑ መዋእለ ህጻናትን ተመሃሮን

ብዛዕባ ምእላይ ኣብ ፍርቂ መዓልትን ድሕሪ ትምህርትን

ንውላደይ ኣብ ፍርቂ መዓልትን ድሕሪ ትምህርትን መን ይኣልየለይ?

ኣብ ገለ ኮማት ናይ ቀትሪ መጽንሒ ቆልዑ (Tageshorte) ወይ ከኣ ናይ መዓልታዊ መዕቆብ ቆልዑ (Kindertagesstätten) ይርከቡ። ኣብኡ ህጻናት ኣብቲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ክህልዉሉ ዘይክእልሉ ሰዓታት ይእለዩ። ህጻናት ኣብኡ ምሳሕ እውን ክበልዑ ይኽእሉ። ገለ ቤት ትምህርቲታት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ምእላይ ኣገልግሎት ይህባ እየን። እዚ ግን ዝውቱር ኣይኮነን።

 

ኣብ ብዙሓት ኮማት ኣብ እዋን ፍርቂ መዓልቲ ቆልዑ ክምገብሉ ዝኽእልሉ መምስሒ (Mittagstisch) ኣሎ። ንመዋእለ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ቀረባት ምእላይ ኣብ ኮምኩም ተወከሱ።

 

ወጻኢታት ምእላይ ከከም እትዋት ወለዲ እዩ። ወለዲ ባዕላቶም ከኣ እዮም ዝኸፍልዎ።