ምምራጽ ዓውዲ ስራሕ

ናይ ንግዲ ወይ ሞያዊ ትምህርቲ ምምሃር

ናይ ንግዲ ወይ ሞያዊ ትምህርቲ ብከመይ ክትመሃር ትኽእል?

ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ትምህርቲ እንትምለሱ ዝወሃብ ናይ ሞያ (ናይ ኢድ ሞያ) ስልጣን ንምርካብ 2/3 ዝኮኑ ሕጻናት ይምዝገቡ። እዚ ስልጠና ከም ናይ ሞያ ዓይነት ካብ 3-4 ዓመታት ዝወስድ ክከውን ይክእል እዩ። ሰልጠንቲ ስልጠና ኣብ ዝውድእሉ እዋን ናይ ፌደራል ሞያ ትምህርቲ ስልጠና ዲፕሎማ ይወሃቦም። ክእለቶም ንኡስ ዝኮነ ተማሃሮ ድማ ናይ ፌደራል ሞያ ትምህርቲ ስልጠና ምስክር ወረቐት ዘውህብን ናይ 2 ዓመታት ኮርስ ምውሳድ ይካኣል እዩ።

 

ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ፉልይ ዝበለ ክከውን ዘክእሎ ናይ ትምህርቲ ተግባር ምስ ስራሕ ብሓደ ተጣሚሩ ስለዝወሃቡ እዩ። እዚኦም ክልተ (2) መስመራት (መንገድዳታት) ስርዓት ተባሂሎም ይፍለጡ። ሰልጠንቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ (4) ማዓልቲ ዝሰርሑ እንትከውን ኣብ ሕድሕድ ሞያታት ግን ኣብ ማዓልቲ ተማሃሮን ተግባራዊ ክእለታት ክረክቡ ዝገብሮም ስልጠና ወሃብቲ ትካላት (ኣካላት) ዓይነት ክቕንሱ ይክእሉ እዮም።

ኣብ ዝተረፈ ሰሙናት ተማሃሮ ናይ ቲዎሪ (ቃል) ትምህርቲን ሞያን ኮሌጅ ይከታተሉ።

 

ኣብ ትምህርቲ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ተምሃሮ ኣብ Federal Vocational Baccalaureate College ዝወሃብ ትምህርቲ ክመሃሩን ፌደራላዊ መረጋገጺ ሞያ ክረኽቡ ይኽእሉ። እቲ መደብ ትምህርቲ ኣብ እዋን ሞያዊ ልምምድ ወይ ብድሕሪኡ ክዛዘም ይኽእል። ፌደራላዊ መረጋገጺ ሞያ ዝረኸቡ ቆልዑት ደሓር ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣፕላይድ ሳይንስ ዝኣትዋሉ ዕድል ኣለዎም።