ሕጹጽ ኩነታት

ሕጹጽ ኩነታት

ኣብ ህጹጽ ኩነታት እንታይ ኣለው፤ ኣነኸ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ህጹጽ ኩነታት ዝበሃል ንሕይወት ዘስግእ ኩነታት እዩ። መብዛሕቲኦም ሆስፒታላት ናይ ሓደጋን ህጹጽ ኩነታትን ዲፓርትመንት ን24 ሰዓት ኽፉት እዮም። ይኹን እንበር ኣገልግሎት ዝወሃብ ኣዚዮም ኸቢድ ንዝኾኑ ጸገማት እዩ።

 

ምናልባት ኣብ ጥቀኦም ዝርከብ ሰብ ህጹጽ ኩነታት ክጓነፍ ከሎ (ንኣብነት ሓደጋ እንተበጺሑዎ) ቐዳማይ ብርኪ ሓገዝ ከም ትንፋስ ምትንፋስን ንደም ዝወወር እዝዩ ጠቃዩ። እንታይ ከምዝገብሩ ንምፋጥ ኮርስ ትምህርቲ ክከታተሉ ይክእሉዮም።

 

ናይ ህጹጽ ግዜ ቁጽርታት ኣብ ስዊዘርላንድ ብ24/7 ክርከብ ይኽእል

 

  • ናይ ህጹጽ ግዜ ቁጽሪ
    (ፖሊስ፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣምቡላንስ): 112
  • ፖሊስ: 117
  • መጥፋእቲ ሓዊ (ሓዊ፡ ማይ፡ ጋዝ): 118
  • ኣምቡላንስ: 144
  • ናይ ስዊስ ናይ ኣየር ረድኤት (Swiss Air Rescue)
    (REGA፡ ሄሊኮፕተር ምድሓን ነፍሲ): 1414
  • ምምራዝ
    (ምስ መርዚ ዝተሓሓዝ ማእከል ሓበሬታ): 145
  • ሓገዝ ቴሌፎን ንቆልዑን መንእሰያትን: 147

ኣብ ግዜ ሓደጋ ክትስዕቦ ዝግባኣካ መምርሒታት

  • ኣይትሸበር
  • እቲ ኩነታት ንምስትውዓል ፈትን
    እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
    መን እዩ ተጎዲኡ?
  • እንታይ ሓደገኛ ኩነታትን ከምዘሎ ኣስተውዕል
    ገዛእ ርእስኻን፡ ናይቲ ሓደጋ ግዳያትን ካልኦት ዝምልከቶምን ናብ ውሑስ ቦታ ውሰድ
  • ንኣገልግሎታታት ግዜ ሓደጋ ሓብር144 ወይ 112
  • ናይ መጀመሪያ ሕክምናዊ ሓገዝ ሃብ

ሕክምናዊ ሓገዝ ኣብ ጊዜ ሓደጋ - ቁጽሪ ስልኪ ኣብ ጊዜ ሓደጋ 144 ወይ 112

ናይ ስልኪ ጻዊዕትካ ዝቕበል ብቑዕ በዓል ሞያ ኣሎ። ከም ዓይነት ናይ መልእኽትኻ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ሓደጋ ኣገልግሎታት (ኣምቡላንስ፡ ዶክተር፡ ሄሊኮፕተር ነፍሲ ኣድሕን፡ ፖሊስን ወይ መጥፋእቲ ሓውን) ብቕጽበት ከምዝዳለዉ ይግበር።144 ወይ 112 ዝብል ቁጽሪ ስልኪ ካብ ሕዝባዊ ስልኪ፡ ናይ መስመር ስልኪ ከምኡውን ካብ ሞባይል ብዘይ ክፍሊትን ብዘይ ዝኾነ ኮድን ክትድውል ትኽእል።

 

እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ኣብ ጊዜ ሓደጋን ንኦፕሬተራት ክወሃቡ ዝግብኦም ኣገደስቲ ሓበሬታት እዮም

 

  • ደጊሞም ክድውሉልካ እንተኣድለየ ስምካን ቁጽሪ ስልክኻን።
  • ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ብሓጺሩ ዝገልጽ ሓበሬታ።
  • እዚ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዝሕብር ንጹር ሓበሬታ።
    ቦታ፡ ጎደና፡ ቁጽሪ ገዛ።
  • ክንደይ ዝተጎድኡ ከምዘለዉ።
  • ኩነታት ዝተጎድአ ሰብ፡ ይሰምዕ ኣሎ’ዶ? ይትንፍስ ኣሎ’ዶ?
  • እቲ ሓደጋ መዓስ እዩ ኣጋጢሙ?

 

እቲ ጻዊዒትካ ዝቕበል በዓል ሞያ ኣድላይ ዝኾነ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ክሳብ ዘረጋግጸልካ ስልክኻ ኣይትዕጾ።