ኢንሹራንስ ጥዕና ሓለዋ

ኢንሹራንስ ሓደጋ

ኢንሹራንስ ሓደጋ

ኢንሹራንስ ሓደጋ ኣብ ግምት ዘእትዋ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዘለው ዋጋታት ሕክምና እዩ። ከምኡውን ዕለታዊ ኣበል (ኣበል እቶት) ይከፋል ምናልባት ብዘለቅነት ምስራሕ ዘይክእልን ሞት ኣብዘጋጥሙሉ እዋን።

 

ኹሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝስርሑ ስራሕተኛ ናይ ሓደጋ ኢንሹራንስ ውሕስና ኣለዎም።

 

  • ምናልባት ንሸመንተ ሰዓታት ዝሰርሑ እንተኮይኖም ወይድማ ንመስርሒ ኣብ ውሸጢ ስሙን ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ስራሕ ንዝበጸሕ ሓደጋ ውሕስና ኢንሹራንስ ይህልዮምን ከምኡውን ካብ ስራሕ ወጻኢ ሓደጋታት ተባሂሎም ዝፋለጡ (ናብ ስራሕ ንምንቅሳቃስ ዝገብርዋን ኣብ ዓረፋቲ እዋናት ዝበደሑ ሓደጋታት እዩ)።
  • ምናልባት ንመሳሪሒኦም ኣብ ወሸጢ ስሙን ካብ ሸመንተ ሰዓታት ንታሕቲ ዝስርሑ እንተኮይኖም ውሕስና ኢንሹራንስ ኣብ ስራሕ እዋን ዝበጸሕ ሓደጋ ጥራሕን ናብ ስራሕ ኣብ ዝገብ ርዋ ምንቅስቃስ ወሕስና ጥራሕ ይረክቡ። ካብ ስራሕ ነጻ ኣብ ዝኮኑሉ እዋን ሸፋን ኢንሹራንስ ዘከውን ናይ ሓደጋ እዋን ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ፈንድ ከውጸኡ ኣለዎም (ንኣብነት ኣብ ገዟ)።
  • ስራሕ ኣልቦ ሰባት ውሕስና ኢንሹራንስ ስራሕ ኣልቦ ተተሓሒዞም ዝቀርቡ ጥቅሚታት ተጠቃሚ እዮም።

 

ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ንኣብነት ስብዓይን ሰበይቲን፣ ቆልዑት፣ ተምሃሮ፣ ጡረተኛታትን ድሕሪ ሕጂ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይረኽቡ ስራሕ ዓልቦ ሰባት ውሕስና የብሎምን። ኣኣእዚኦም ሰባት ናይ ሓደጋ ኢንሹራንስ ንምርካብ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ፈንድ ከውጸኡ ኣለዎም።

 

ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ክገብር ኣለኒ ብቁልጡፋ ንመስርሓኦም ወይድማ ንጥዕና ኢንሹራንስ ፋንድ ስለ እቲ ሓደጋ ከፋልጡ ኣለዎም። ካብ መስርሒ ወይድማ ጥዕና ኢንሹራንስ ፋንድ ተዛማዲ ፎርሞ ከመልኡ ኣለዎም።