ሕማም

ዶክተር/ጠቅላላ ምንቅስቃስ ኣሰልጠኒ

ብከመይ ዶክተር ክረክብ ዝክእል?

ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ኣብ ዝሓሙሉ እዋን ብቀዳምነት ንሕክምና ዝድውላሉ እዩ። ብከመይ ክትትል ከምዝገብሩ ስልጠኞምዮም ከምኡውን ብከመይ መላእ ኣካላት ከምዝሕኩሙ ይፈልጡዬም። ምናልባት ኣብ ጂፒ እንተደኣተመዝጊቦም ብቀሊሉ ክፋልጥዋም ይክእሉዮም ከምኡወን ብጣዓሚ ወዲኢታዊ ምክሪ ክህብዋምዮም። ተመሳሳሊ ጂፒ ንምርኣይ ይፈትኑ።

 

ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም ምምዝጋብ ካሊእ ረብሓ ኣለዎ። ምናልባት እንተሓሚሞም ኣብ ዝኾነ እዋን ክድውሉ ይክእሉ ከምኡውን ሓኪም ክርእዮም ቀጸሮ ክገብሩ ይኽእሉ። መብዛሕቲኦም ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ፈንድ ሕሱር ክፍሊታት ዝሓቱ ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም እንተድኣ ተመዝጊብኩም እዩ።

 

ሓፈሻዊ ሓኪም ዝትረኽባሎም ብዙሕ መንገዲታት ኣለው፡ ኣዕሩኽቲን ኣዝማዳትን ናበየናይ ሓኪም ከምዝኸዱ ሕተቱዎም፣ ኣብ ናይ ተሌፎን ቁጽሪ መውጽኢ ወይ ኣብ ኢንተርኔት ነቲ ዝትደልዩዎ ሓበሬታ ድለዩ።