ጥዑይ ናብራ

መንቅስቃስ

ብመዓቲ ክንደይ ዝከወን ምንቅስቃስ እዩ ጥዕንኡ ዝሓለወ?

ብጣዐሚ ውሑድ ምንቅስቓስ ሕማም ከምጽእ ይኽእል እዩ። ናይዚ እቲ ብቀሊሉ ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤን ናይ ሕቆ ሕማም፣ ሕሉፍ ርጉደት፣ ወይድማ ሕማም ካርዲዮ ቫስኩላር (ሕማም ልቢ) እዩ። ስለዚድማ ኣብ መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ክትንቀስቐሱ ከለኹም፤ ማለትውን ብእግሪ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ምኻድ፣ ብሽክለታ ምዝዋር፣ ምሕንባስ፣ ናይ ጀርዲን ስራሕ ምስራሕ ወይድማ ናይ ገዟ ስራሕ ምስራሕ እዘኦም 30 ደቂቓታት ኣብ መዓልቲ ኣብ ስለስተ ተከፈሎም ሰብ 10 ደቒቕ ማለት እዩ። ክክንዲ ሊፍት ብደረጃ ምውጻእ ወይድማ ኣብ መዓልቲ ቅልል ብዝበሊ መንገዲ ምንቅስቓስ ምግባር እዩ::

 

ንቆልዑት ኣብ መዓልቲ ንሀደ ሰዓት ዝኣክል ምንቅስቃስ እንተጌሮም ጠቃሚ እዩ። ነዚ እዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃቡ ትምህርቲታት ኣቢ ጠቃሚ ዝገብሮም። ሕፃወሰንቲ መደበኛ ምናልባት ናይ ክለብ ስፖርት ኣባል እንትኮይኖም ብዙሕ ምንቅስቓሳት ይገብሩ።