ክለባትን ማሕበረሰባትን

ክለባትን ማሕበረሰባትን

ናብ ክለብ ምእታወይ እንታይ ይሕግዘኒ?

ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ፣ ዕሸላት፣ መናእሰይን ዓበይትን ዘተኣናግዱን ኣገልግሎት ዝህቡን ሓያሎ ክለባት ኣለዎም።

 

ክለባትን ማሕበራትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ሂወትኩም ኣብ ክለባትን ማሕበራትን ዝሳተፉ ሰባት ርክባትኩም ንምስፋሕ ዕዙዝ ሚና ይፃወቱ። ናይ ኩዕሶ፣ ቼዝ ክለባት፣ ማሕበራት ሙዚቃ፣ ባህላዊ ማህበራት፣ ፖለቲካዊ ማሕበራት፣ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ይርከቡ።

 

ኣብ ክለባትን ማሕበራትን ብንጥፈት ምስታፍ ዘሐጉስ ኮይኑ ግዜኩም ብንቕሓትን ብዘሕጉስን ንክተሕልፉ ይገብረኩም። ዝረብሕ ነገር ከምዝፍጽሙ ውን ይስመዖም። ስደተኛታት ከምኡድማ ዜጋታት ስዊዘላንድ ብበዝሒ ኣብ ክለባትን ማሕበራትን እናተሳተፉ እዮም። ቋንቋ እቲ ሃገር ንምምሃርን ከማኩም ተመሳሳሊ ድልየት ምስ ዘለዎም ሰባት ንክትራኸቡ ዝሕግዘኩም ቀስብቐስ ምስ ሰባት ዘለኩም ርክባት ክተሰፍሑን ኣብቲ ማሕበረሰብ ወይ ኣብቲ ዲስትሪክት ከለኹም ኣብ ዓድኹም ከምዘለኹም ይስምዐኩም።

 

ክለባትን ማህበራትን ተመሳሳሊ ድልየት ንዘለዎም ሰባት ክፍቲ እዮም። ብዛዕባ ዘለው ክለባትን መወከሲ ኣድራሽምን ንምፍላጥን ኣበይ ከምዝርከቡ ንምርዳእን ንከባቢያዊ ምምሕዳርኩም ሕተቱ። ብዙሓት ምምሕዳራት ንዝርዝር ክለባትን ማሕበራትን ብኢንተርኔት ይዝርግሑ እዮም።

 

እቲ ካንቶን ብዙሓት ማሕበራት ስደተኛታት እውን ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ወይድማ ኣብ ትሕቲ Kurse/Angebote ኣብ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ www.integration.gr.ch ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።