መንበሪ ፍቓድ ናትካን ናይ መጻምድትኻን ደቅኻን

መንበሪ ፍቓድ ናትካን ናይ መጻምድትኻን ደቅኻን

መንበሪ ፍቓድ ናትካን ናይ መጻምድትኻን ደቅኻን

ንዜጋታት EU/EFTAን መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ ስዊዘርላንድ ቅድሚ ምእታዉን ድሕሪ ምእታዉን ክሕተት ይከኣል፡፡ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር (ናይተን ኣባል EU/EFTAን ዘይኮና ሃገራት) ዝሓትዎ መንበሪ ፍቓድ ብፍሉይ መገዲ ይተሓዝ፡፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ብቑዓት ሰራሕተኛታት እንተኾይኖም ወይ ድማ ብቑዓት ዝገብሮም ፍሉይ ነገር እንተሃልዩ እዩ፡፡

 

ዜጋታት ናይ EU/EFTA ኣባላት ሃገራት ንስድራቤት ኣባላቶም ዝተውሃቦም ናይ መንበሪ ፍቓድ ብዘየገድስ ክልእኹሎም ይኽእሉ እዮም፡፡ ወለድን ውሉዳትን እዮም ኣባላት ስድራቤት ተባሂሎም ዝሕሰቡ፡ዜጋታት ናይ ሳልሳይ ዓለም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሓዙ ምስ ስድራቤቶም ንምሕዋስ (መጻምድቲን ቆልዑትን) ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደትን ሰብኣዊ ሕጊን ሕትኦም ከቕርቡ ይኽእሉ፡፡ (Amt für Migration und Zivilrecht)፡ ናይቲ ዓዲ ክማላእ ዝግባእ ጠለባት ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ፡፡ ዝቐርብ ሕቶ ናይ ምስ ስድራቤት ምሕዋስ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ክቐርብ ኣለዎ፡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ እንድሕር ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡፡ ኣብ ግራይሶን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደትን ሰብኣዊ ሕጊን (Amt für Migration und Zivilrecht Graubünden) ወይ ኣብ መረብ ሓበሬታኡ፡ ናይ ሓበሬታ ቅጥዒታት ብዛዕባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ከምኡውን ብዛዕባ ምስ ስድራቤት ምሕዋስ ምስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ብቋንቋ ጣልያንን ርመንን ተዳልዩ ኣሎ፡፡

ርክብ

ርክብ

  • Amt für Migration und Zivilrecht Graubünden

    ናይ ግራይሶን ቤት ጽሕፈት ስደትን ሰብኣዊ ሕጊንKarlihof 47001 Chur081 257 30 01www.afm.gr.ch