ዕዳ

ዕዳ

ዕዳ እንተሃልዩኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ምናልበት ኣብ ዕዳ እንተሃልዮም ወጸኢታቶም ቁጻጻር ፋይናንሳት ንምግባር እንተዘይኪኢሎም ብቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ከምኡውን ካብ ፕሮፌሽናል መማኸሪ ጉዳያት ዕዳ ሓገዝ ክረኽቡን ኣገዳሲ እዩ። ብቕልጡፍ እንተኾይኑ ተመራጺ እዩ ነዊሕ ግዜ ክትጽበ ከለኻ ናይ ዕዳኻ መጠንን ብሰንኪ እቲ እዳ ዝትጓነፎም ሳዕቤናትን ጸገማትን ብዝያዳ ክብ ክብሉ እዮም፡፡

 

ረድኤታዊያን ማእከላት ምኽሪ ዕዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ካንቶናት ኣለው፡፡ ዝትውከሰሎም ኻልኦት ቦታታት ድማ ዲፓርትመንታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብያት ክርስቲያንን እዮም፡፡ እቲ መማኸሪ ጉዳይ ዕዳ ብቐዳምነት ብዛዕባ ገንዘባዊ ኩነታትካ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንክትረክብ ይሕግዘካ፤ ካብኡ ድማ ካብ ዕዳ ናጻ ብዝትኾነሉ መንገዲ በጀትካ ንክተመዓራሪ ምኽሪ ይህበካ፡፡ እቲ መማኸሪ ምስ ኣለቐሕቲኻ (በኣል ዕዳ) ይራከብ፡፡ ንገንዘባዊ ጸገማትካን ኩነታትካን ንጹር ፍታሕ ክሳብ ትረክብ ንክጽበዩኻ ማለትውን ኣገዳሲ ግዜ ንክህቡኻ (ክፍሊት ንዝጽበዩ ሰነዳት ክፍሊት ግዜን ብዝትፈላለየ እዋን ንክትኸፍሎምን) ሕቶ ከቕርበሎም ይኽእል፡፡

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Beratungsstelle für Schuldenfragen - Schweizerisches Rotes Kreuz Graubünden

    ብዛዕባ ዕዳ ምኽሪ ዝህብ ማእከል ሓገዝ ናይ ዕዳ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ዓንኬል ናይ ዕዳ ክወጸሉ ዝኽእል መንገዲ ንምርኣይ።Steinbockstrasse 27000 Chur081 258 45 80www.srk-gr.ch