ስራሕ እናደለዩ ድዮም?

ስራሕ እናደለዩ ድዮም?

ስራሕ እናደለዩ ድዮም?

ንዓርኮም፣ ንጎረቤቶም ስራሕ እንዳደለዩ እንተኮይኖም እንተድኣ ሓቢሮም/ተነጊሮሞም ጠቃሚ እዩ። በዚ ዓይነት መንገዲ ሓደሽቲ ስራሕ ቅድሚ ምውዳኦም ቅድም ኢሎም ሓበሬታ ንምርካብን ምልክታ ምምልካት ይኽእሉ።

 

ብዙሓት ናይ ናጻ ቦታ ስራሕ ምልክታታት ብዕለታውያን ጋዜጣታት ኣቢሎም ኣብ ተደጋጋሚ እዋናት ዝበዝሕ እዋን ብቐደም ተኸተል ብጽሑፍ ናብ ህዝቢ ይቐርቡ። ዋላውን ኣብ ናይ ሞያ መጽሐታት ምልክታታት ናይ ናጻ ቦታ ስራሕ ይወጹ እዮም። ዕለታዊ ጋዜጣ ዘይጠለብኩም እንተ ደኣ ኴንኩም፣ ኣብ ቤት ንባብ ወይ ኣብ እንዳ ቡን ብምኻድ ዕለታውያን ወይ ስሙናውያን ጋዜጣታታት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

 

ስራሕ ንምድላይ ኣብ ዞባዊ ናይ ስራሕ ምምዳብ ማእከል (Regional Job Placement Centres - RAV) ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ከምኡውን ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣ፡ ዞባዊን ምምሕዳራዊን ነጋሪት ጋዜጣ፡ ወኪላት ስራሕ ከምኡውን ኣብ ኢንተርነት፡ ንኣብነት

ኣድላይነት ኢንተርነት ከም ዕዳጋ መድለዪ ስራሕ ደላይን ወሃብን ስራሕ ብቐጻሊ እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ኢንተርነት ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ዕዳጋታት ቀረብ ስራሕ (Stellenbörsen) ይርከቡ። ገለ ናይ መድለይ ቀረብ ስራሕ ገጻት (Jobsuchmaschinen) ዋጋ ኣይክፈለን እዩ፣ ገለ ክፋል ካብአን ግና ቁርብ ይኽፈለንን እዩ። ኣብተን ገንዘብ ዝኽፈለን ገጻት (Jobsuchmaschinen) ንውሱን ግዜ ናይ መድለዪ ውዕል ክትኣትዉ ትኽእሉ። ሰራሕተኛ ዝጠልቡ ትካላት ከኣ ብኢመይል ኣቢሉ ይለኣኸኩም።

 

ብዙሓት ትካላት ቦታ ስራሕ መስ ዝህልወን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን መርበብ ኢንተርነት የውጽእኦ። ስለዚውን ናይ ዘገደሳኹም ትካላት መርበብ ኢንተርነት ብቐጥታ ተመልከቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ትካል ደዊልኩም ተወከሱ። ዋላውን ዝወጸ ቀረብ ናጻ ቦታ ስራሕ እንተ ዘይሃለወ እቲ ትካል ዘገድሰኩም እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ከተመልክቱ ይከኣል። ከምኡ ምግባር ናይ ገዛእ ርእሲ ተበግሶ መመልከቲ (Initiativbewerbung) ወይ ከኣ ሃንደበታዊ መመልከቲ (Spontanbewerbung) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ተገዳስነትን ብቕዓትን ዘለዎ መመልከቲ ናይ ምዕዋት ጽቡቕ ዕድል ኣለዎ። ካብ ትሕዝቶ መመልከቲ ኣመልከትቲ ብዛዕባ ትካል ምሉእ ተገዳስነት ዘለዎም ምዃኖም ከንጸባርቕ ክኽእል ግን ኣለዎ።