ስራሕ እናደለዩ ድዮም?

ናይ ስራሕ ቦታ መመልከቲ

ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ መመልከቲ ጽሑፍ እንታይ ትሕዝቶ ክህልዎ ይግባእ?

ናይ ስራሕ መመልከቲ ጽሑፍኩም እንታውነትኩም ዝገልጽ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ሰነዳት ከኣ የጠቓልል።

 

  • መሰነይታ ጽሑፍ : ስለምንታይ ንስኹም ንዝተጠቕሰት ቦታ ስራሕ ተመልክቱ ምህላውኩምን፣ ስለምንታይ ንስኹም ነቲ ተመልክቱሉ ቦታ ብቕዕ ሰብ ምዃንኩምን ይገልጽ። በቲ ጽሑፍ ኣቢልኩም ንወሃብ ስራሕ ኣብ መጻኢ ዕቤት ናይቲ ትካል ኣስተዋጽኦ ከም ትገብሩ ኸኣ ተረድኡ። ንነፍሲ ወከፍ ነናቱ ደኣምበር፣ ንኹሎም ትካላት በልማማ ኣገባቡ ከይተቐየረ ዝደጋገም ሓደ መልክዕ ዘለዎ ደብዳበታት (Serienbriefe) ኣይትጽሓፉ።
  • ታሪኽ ህይወት Lebenslauf (CV): ንወሃብቲ ስራሕ ብዛዕባ መን ምዃንኩም፣ ሞያዊ ስልጠናኹም፣ ቀጻሊ ትምህርቲኹምን፣ ናይ ክሳዕ ሕጂ ዝሓለፍኩሞ መድረኻት ስራሕን ዝኣከብኩምዎ ተመኩሮታትን፣ ፍልጠት ቋንቋን ስነ ኮምፕዩተርን ሓፈሻዊ መረዳእታ ይህብ። ታሪኽ ህይወት ከመይ ክመስልን እንታይ ትሕዝቶ ክህልዎ ከም ዝግብኦን ዘርእዩ ብዙሓት ቅሩባት ጽሑፋት ኣለዉ። ካብ ኢንተርነት ብምውሳድ፣ ወይ ኣዕሩኽኩምን ቀረትኹምን ብምውካስ ናይ ገዛእ ርእስኹም ታሪክ ህይወት ንምድላው ንጠፉ።
  • ምስክር ወረቓቕትን ሞያዊ ስልጠና መረጋገጺታትን፡: እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብዚ፡ ሃጓፍ ኣልቦ ከምኡ ድማ ምስ ምስክር ወረቓቕቱ ዝተሰነደ ናይ ሞያዊ ብቕዓትኩም ክትስንዱ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ግዜ ናይ ዝገብርኩምዎ ሞያዊ ስልጠናን ኣገዳሲ ቀጻሊ ትምህርትን ወረቓቅቲ ምስክራት ኣቕርቡ። ኩሉ ግዜ ግን ቅዳሕ ደኣ እምበር ቀንዲ ወረቐት ምስክርኩም ከይትልእኩ ተጠንቀቑ!