ስራሕ ዓልቦነት

ስራሕ ዓልቦነት

ስራሕ ዘይብልኩም እንተኮንኩም እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም?

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት፡ ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ወጻኢታቶም ዝሽፍን ንኽወሃቡ መሰል ኣለዎም ግና እቲ ዘድሊ ነገር ምስዘማልኡ እዩ፡፡ ነዚ ዘድሊ ነገር ድማ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ቅድሚ ስራሕ ምቊራጽ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመት ዝሰርሓሉ 12 ኣዋርሕ ዝሕብር፡፡

 

ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዘይምህላው ዝምልከት ሕቶ እንተለካ በጃኻ ናብ መድሕን ስራሕ ዘይምህላው ፈንድን (Unemployment Insurance Funds) ናብ ዞባዊ ናይ ስራሕ ምምዳብ ማእከል (Regional Job Placement Centres - RAV) ተወከስ፡፡