ናይ ቋንቋ ብቕዓት መረጋገጺ fide ምስ ወዳእኩም ሽፕራኽፓስ
(Sprachenpass) ይወሃበኩም። ኣብኡ ናይ ቃልን ጽሑፍን ብቕዓትኩም ተፈላልዩ ይምዝገብ።
ዛጊት ተፈላጥነት ዘለዎ ወረቐት ቋንቋዊ ብቕዓት ሒዝኩም እንተ ደኣ ኣለኹም፣ ናብ ቤት ጽሕፈት fide ከተቕርብዎ ትኽእሉ። ገንዘብ ከፊልኩም ከኣ ሽፕራኽፓስ (Sprachenpass) ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ናይ B1 ወይ ናይ ካብኡ ንላዕሊ ብቕዓት ቋንቋ ዘለዎን፣ መረጋገጺ ከቕርብ ዝኽእልን ብመስርሕ መዐቀኒ ብቕዓት ሰነድ (Validierungsdossier) ኣቢሉ ሽፕራኽፓስ (Sprachenpass) ናይ ምርካብ ተኽእሎ ይህልዎ።
ነዚ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዌብፖርታል (Webportal) fide ይርከብ።