ኣብዚ ዞባ ሰለስተ ኦፊሰላውያን ቋንቋታት ኣለዋ፡- ጀርመንኛ፡ ሮማንሽ ከምኡውን ጣልያንኛ
ጀርመንኛ
ንመብዛሕትኦም ነበርቲ ናይዚ ዞባ ጀርመንኛ እቲ መበቆላዊ ቋንቋ እዩ፡ እዚ ማለት ክጽሕፉ ንጹር ጀርመን (High German)፡ ክዛረቡ ግና ብስዊዝ ጀርመን (Swiss German)።
ሮማንሽ
ኣብ ኢንጋዲን (Engadin)፡ ሙንስተር ቫሊ (Münstertal)፡ ሴንትራል ግራይሶንስ (Mittelbünden) ከምኡውን ሱርሰልቫ (Surselva) ወግዓዊ ቋንቋ ሮማንሽ እዩ፡፡ ሮማንሽ ቋንቋ ጥራይ ዘይኮነስ ብተወሳኺውን ሓደ ክፋል ናይቶም 5 ቊንቁኛ እዩ: Sursilvan, Sutsilvan, Surmiran, Puter ከምእውን Vallader.
ጣልያንኛ
ጣልያንኛ ኣብዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ሩባታት ይዝረብ Puschlav, Bergell, Misox ከምእውን Calanca።