Pro Senectute ግብረ ሰናይ ንኣረጋውያን ብዙሕ ኣገልግሎታት እዩ ዝህብ። ኣብ ገዝኦም ብዙሕ እዋን ክጸንሑ ይገብር። Pro Senectute ካብ ልዓ 60 ዓመት ዝርከቡ ሰባት ነፃኒቶም ነዓቢይን ጸቡቕ ሕይወት ክህልወሳም ዝሕግዝ እዩ። ኣረጋውያንን ቤተሰቦም ነፃ ሚስጥር ዝሓለወ ምክሪ ይወሃቦም:-
- ናይ ፋይናንስ ጸገም
- ሕጋዊ ጉዲያት
- ንውልቃዊ ጸገማት ፍታሕ ምሃብ
- ንጥፈታት ምዝንጋዕ
- ምስ መንበሪ ገዛን ርክባትን ዝተሓሓዙ ጉዳያት
ምናልበት እዚ ሓገዝ እኹል እንተዘይኮይኑን ወትሩ ዘይቋረጽ ወይ ኣብ ዝኾነ ሰኣት ዝርከብ ሓገዝ እንተደሊኹም ኣብ ቐትሪ ኣገልግሎት ዝህብ ወይ ናይ ጡረተኛታት ገዛ ነዚኦም ጠለባትኩም ከማልኣልኩም ይኽእሉ እዮም።
ጡረታ ወይድማ ናይ ገዟ ክትትል ብናይ ሕዚ ኣድራሻ ዝነብሩሉ ይረክቡ። Pro Senectuteor ጂፒ ኣባይ ከምዝረክቡ ይሕግዞም።