መንበሪ ገዛ ምርካብ

መንበሪ ገዛ ምርካብ

መንበሪ ገዛ ከመይ ክረክብ እኽእል?

ንኣባይቲ ዝምልከት ምልክታታት ኣብ ዞባዊ ጋዜጣ፡ ኣብ መዓልታዊ ጋዜጣታትን ኢንተርነትን ክርከብ ይከኣል፡፡ ሕሱር ዝዋግኦም ኣባይቲ፡ ስሕት ኢሎም ኣብ ከም በዓል ሚግሮስ (Migros) ከምኡውን ኩፕ (Coop) ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መደብራት ዝዝርግሕዎ ሰሌዳ ምልክታ ክርከብ ይከኣል፡፡

 

እንድሕር ገዛ ደሊኻ ብዙሕ ግዜ ናይ መመዝገቢ ቅጥዒ ክትመልእ ከምኡውን ነቲ ወናኒ ገዛ ወይ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ክፍሊት መመዝገቢ ቅዳሕን ናይ መንበሪ ፍቓድካን ክተረክቦ ይግባኣካ፡፡

 

ኣገዳሲ ሓበሬታ:

 

  • ንስኻ ብመሰረት ምልክታ ኣባይቲ ኣመልክት፡ እቲ በዓል ገዛ ተኻራያይ ይመርጽ፡፡
  • በጃኹም ንዝርዝራት ኮንትራት ኣቕልበሎም፡ ንኣብነት ንምልክታታት ዝወሃቦም ንውሓት ግዜ ዝምልከቱ ሓበሬታታት፡፡
  • ኣብ ብክራይ ዝዕደሉ ብሎካት ተኻረይቲ ክኽተልዎም ዝግባእ ሕግታትን መምርሒታትን ኣለዉ፡ እዚኦም ተኻረይቲ ብስኒትን ምክብባርን ክነብሩ ተባሂሎም ዝወጹ እዮም፡ (ንኣብነት ኣብ ግዜ ምሸት ጸጥታ ክሕሎ ወይ አጠቓቕማ ሓጻቢት ማሽን ዝምልክት)፡፡
  • ነፍሲ ወከፍ ዝካረ ብሎክ ናይቲ ሕንጻ ሕግታት ምሕላዎምን ደጊኡን ውሽጡን ጽሬቱ ዝተሓለወ ምዃኑን ዘረጋግጽ ዝቆጻጸር ኣሎ።
  • ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ ክራይ ክፍሊ ናይ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ዕዳ ክኸፍል ኣለዎ፡፡

እዚ ኣብ ፍራይበርግ (Freiburg) ዝመደብሩ ስዊዝ ኮሌክሽን ዲፓርትመንት (Swiss Collection Department) ክምዝገብ ኣለዎ፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክምዝገብ ኣለዎ።