ምኽሪ

ምኽሪ

ኣበይ እዩ ምክሪ ዝረክብ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ገዛ ዝምልከቶም ብዙሓት ትካላት ኣለዋ። እቲ ሓደ ማህበር ተካረዪቲ (Mieterinnen- und Mieterverband) እዩ። እዚ ዝውክሎ ረብሓን መሰልን ገዛ መጽለሊ ደለይቲ እዩ። ኣባላቱ ምክሪ ብምሃብን ተወሳኪ ግልጋሎት የቅርብ።

 

ናይ ዳኝነት ግልጋሎት ብዛዕባ ቐረባት ኪራይ ዝኮነ ይኹን ሓበሬታታት ይህባኹም። ንኣብነት ናይ ኪራይ ውዕሊ ምቁራጽ፣ ኪራይ ምውሳኽ ወይድማ ንተቐማጢ ገንዘቦም ምምለስ። ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣከራይን ተከራይን ዝለዓሉ ጎንጽታት ፍታሕ ብምሃብ ይሕግዞም። ምኽሪን ድርድር ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። ኣብ እዋ ናይ ምክሪ ጉባኤ ኩሎም ሰነዳቶም ሓዞም ይቅረቡ ብፋለይ ውዕሊ ኪራይ።

 

ኣብ ካንቶን Graubünden ግልጋሎት ዳኝነት ንዓኣም ወኪሉ ይንቀስቃስ ዝርዝር ትሕዝቶታት ኣብ “Justiz Graubünden” (Graubünden Justice) መርበብ ሓበሬታ ይርከብ።

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Mieterinnen- und Mieterverband Graubünden

    ናይ Graubünden ናይ ተኻረይቲ ፋውንዴሽንPostfach 3617004 Chur081 534 05 95www.mieterverband.ch