ጓሓፍ

ጓሓፍ

ጓሓፍ

ምውጋን ጓሓፍ ኣገልግሎት ንምርካብ ክፍሊት ክትከፍል ከምዘለካ ፍሉጥ እዩ፡፡ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘሎ ምምሕዳር ብዝዕባ ምውጋን እንታይ፡ ብኸመይን ኣበይን ከም እትውግን ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፡፡

 

ምፍላይ ጓሓፍ

 

ምፍላይ ጓሓፍ ኣካባቢያዊ ጽሬትን ብተወሳኺውን ወጻኢ ይቕንስ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ካብ ናይ ገዛ ጓሓፍ ክፍለዩ ኣለዎም፡፡

 

  • ጥርሙስን ታኒካታትን
  • ወረቐትን ካርቶንን
  • ዱኽዕን ናይ ልደት ገረብን
  • ዶግላጽ ጓሓፍን (ንኣብነት ኣቑሑት ገዛ፡ምንጻፍን) ከምኡውን ሓጺን
  • ባትሪን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኣቕሓ
  • መድሓኒታት
  • ዘይትን ተጓዳእቲ ቅብኣታትን ንኣብነት ሕብሪ፡ ቫርኒሽ፡ ሜርኩሪ ወዘተ
  • ክልበሱ ዝኽእሉ ኽዳውንቲ

 

ጥርሙስ፡ ኣልሚኒየም፡ መሊሶም ክስርሑ ዝኽእሉ ናይ ፕላስቲክ ውጽኢታት (PET)፡ ወዘተ ኣብ መእከቢ ጓሓፍ ወይ ድማ ኣብ ዳግም ዝሰርሓሉ ክቅመጥ ኣለዎ፡፡ ዶግላጽ ጓሓፍ፡ ወረቀት፡ ካርቶን ከምኡውን ፍሉይ ጓሓፍ (ሓደ ሓደ ግዜ ዝኽፈል) ንዳግም ምምስራሕ ኣብ መእከቢ ጓሓፍ ይቕመጥ፡ ፡ ብዙሓት ድንኳናት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ (ዝተወድአ) ባትሪን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ኣቑሑትን ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ይቅበላ እየን፡፡