ምዝዋር ብሸክለታ

ምዝዋር ብሸክለታ

ብብሽክለታ ዝጓዓዝ እንተኾይነ እንታይ ኣብ ግምት ከእትው ኣሎኒ?

ኣብ መንገዲ ብሸክለታ ንምዝዋር ዝኮነ ይኹን ፈተና ወይድማ ፋሉይ ፍቓድ መራሒ መኪና ኣየድልይንዩ፤ ይኹን እንበር ብሸክለታ ምዝዋር ክክእሉ ኣለዎም ከምኡውን ስነ-ስርዓት ትራፊክ ከኽብሩ ይግባእ።

 

ድሕንነት መንገዲ ንዘወርቲ ብሽክለታ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብሽክለታኻ ኩልሻዕ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምእትርከብ - እቲ ፍሬን ከምዝሰርሕ፣ ናይ ቕድሚትን ድሕሪትን መብራህቲ ከምዝሰርሕ፣ ጎማታት ብዝግባእ ከምእተፍሑ ወዘተ ክተረጋግጽ ኣሎካ፡፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ውሑስነት ርእስኻ ንምሕላው ብዝተኽኣለካ መጠን ሄልሜት ወይ መሸፈኒ ርእሲ ተጠቀም።