ፈተና መራሒ መኪና

ፈተና መራሒ መኪና

ብከመይ እዩ ናይ ስዊዝ ፈተና መራሒ መኪና ዝወስድ?

ናይ መራሒ መኪና ፈተና ንምውሳድ ንምዝገባ ገለ ረቋሒታት ወይ ቅድመ ኩነታት ኣለው:-

 

  • እተወሓደ ዕድመኦም/ኣን 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ
  • ኣፍልጦ ዘለዎ ናይ ህጹጽ እዋን ቐዳማይ ብርኪ ሓገዝ ትምህርቲ (ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሂወት ናይ ምድሓን ስጉምቲታት ትምህርቲ) ክትመሃርን ፍቓድ ብዘለዎ ናይ ዓይኒ ሓኪም ዝወሃብ ናይ ምርዓይ ፈተና ክትሓልፍን ናይ ግድን እዩ።
  • ሕጋዊ ኣፍልጦ ብዘለዎ መሰልጠኒ መራሕቲ መኪና ዝወሃብ ናይ ትራፊክ ክእለታት ኮርስ ወሲድካ ክትዛዝም ኣሎካ።
  • ብዛዕባ ሕግታት ትራፊክ ዝቐርቡ ሕቶታት ብጽሑፍ ዝትምልሰሉ ናይ ንድፈ ሓሳብ ፈተና ክትሓልፍ ናይ ግድን እዩ።

 

ሓደ ጊዜ እዚ ፈተና መራሕቲ መካይን እንተሓሊፋም ጊዜያዊ ፍቓድ መራሒ መኪና ይወሃቦም። እዚ ናይ ፈተነ እዋን ዝወዳእ ኣብ ሰለስተ ዓመት እዩ። ኣብ ከይዲ እዚ እዋን ክልተ ናይ ስልጠና መዓልቲ ብፋልጦ ብዘለዋም ዝቀርቡ ስልጠና ክከታተሉ ኣለዎም። እዚ ናይ ፈተነ እዋን ምስተወደኣ ሙሉእ መንጃ ፍቃድ መራሕቲ መኪና ከመልክቱ ይክእሉ። ከምኡወን ናይ ክልተ መዓልቲታት ወሳናይ ተወሳኪ ስልጠና ክከታተሉ ኣለዎም። ኣብ ክፋሉ ኤ(ሞተር ብሽክለታ) ወይድማ ክፋሊ ቢ (መጉዓዓዚ ሰባት ቅድሚ 1 ዲሴንበር 2005 ካብ ወጻኢ ዓዲታት ዝተወሃበ ፍቓድ መራሒ መኪና መራሕቲ መካይን ዝተቀመጠ ዝተፈላለያ ደንቢታት ዝጠልቡ ሰባት ዘማለኣ እዩ። ምስ መንገዲ ትራፊክ ፍቓድ መራሒ መኪና ክፍሊ ተራኸቡ ወይድማ ምስ ቤት ትምህርቲ መራሕቲ መኪና ተዘራረብ ወይድማ ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ መሰልጠኒ መራሕቲ መኪና ተወከስ።

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Strassenverkehrsamt des Kantons Graubünden

    ናይ Graubünden ካንቶን ናይ መንገዲ ትራፊክ ፍቓድ ዝህብ ዲፓርትመንትRingstrasse 27001 Chur081 257 80 00www.stva.gr.ch