ስዊዘርላንድ

ኢኮኖሚን ኢንዲስትሪን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብጣዕሚ ጠቀምቲ ናይ ኢኮኖሚ ዘፈራት እንታይ እዮም?

ናይ ስዊዝ ኢኮኖሚ ብጣዕሚ ዝማዕበለ እዩ። ንሊበራል ኢኮኖሚ ሰስቲም ፖለቲካዊ ምርግጋዕን ምስ ጎረባብቲ ዓዲታት ስጡም ርክባት ምስጋና ይብፅሓዮ። ንስዊዘርላንድ ዓወታት ጸቡቕ ብርኪ ትምህርቲ ዘለዎምን ዝሰልጣኑ ናይ ስራሕ በዓል ሞያታት ድማ ነዚ ምዕባለ ልዑል ተራ ዝጻወቱ እዮም።

 

ኣብ ስዊዘርላንድ ውሸጢ እቲ ኣዝዮ ዝዓበየ ክፋሊ ኢኮኖሚ ማለት ናይ ግልጋሎት ጽላት፣ ዝተደራጀዉ ባንኪታት፣ ኢንሹራንስ፣ ቱሪዝም፣ ጅምላ ንግዲ፣ ችርቻሮ ነገድቲ፣ ናይ ሕዝቢ ምምሕዳርን ግልጋሎት ማሕበራዊ ንስዊዝ ቁጠባ ናይ ኢንዱስትሪ ዘፈር ሜካኒካል ኢንጂነሪንግ፣ ኤሌክትሪካል ኢንጂነሪንግ ከምኡውን ናይ መሳርሒ ኢንዱስትሪታት፣ ኬሜካልን ፋርማቲካል ኢንዱስትሪን፣ ሜዲካል ቴክኖሎጂ፣ ናይ ምግቢ ኢንዲስትሪ ከምኡውን ሰዓት መስርሒ ከም ቕደም ሰዓቦም ልዑል ተራ ኣለዎም። እቲ ዝነኣሰ ዘፈር ኢኮኖሚ ወይ ጽላት ሕርሻ እዩ።

 

ኣብ 2017 ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 590,000 ኩባንያታት ኣብ ትሕቲ ናጻ ዕደጋ ኢኮኖሚ ዝንቀሳቀሳ ዝነበራ እንትኮና ካብዚኦም ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ኢድ ኣብ ዘፈር ግልጋሎት ዝተዋፈሩ እዮም። ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ጠቅላላ ኢንተርፕራይዝ ካብ 99% ንላዕሊ ኣናእሽትን ማእከለዋይን ኢንተርፕራይዝ (SMEs) እዮም ንኣብነት ካብ 250 ንታሕቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ማለት እዩ። ልዕሊ 89% ኣናእሽቲ ኢንተርፕራይዝ ኮይኖም ካብ 10 ሰራሕተኛታት ንታሕቲ ዝኾኑ እዮም። እቲ ሳልሳይ ናይ ስራሕ ግብረ ሓይሊ SMEን ካብ ዓበይቲ ኮርፖሬሽን ካብ ሰለስተ ሓደ ኢድ ዝሓዛ እዩ። (ምንጪ ቤት ጽሕፈት ስዊዝ ፌዴራል ስታትስቲክስ 2017)