ምምሃር ቋንቋ

ምምሃር ቋንቋ

ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ኣበይ ክመሃር ይኽእል?

ምስ ማሕበረሰብ ስዊዝ ንምውህሃድ ዝደልዩ ስደተኛ ከመይ ጌሮም ምስቲ ማሕበረሰብ ምዝርራብ ክኽእሉ አለዎም። ስለዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ንዝዝረቡ ቋንቋታት ምልማድ ረብሓ አለዎ። ቋንቋ ምልማድ ስራሕ ንክትረክቡ፣ ከምኡድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራኩም ምስ ትረክብዎም ሰባት፣ ኣዕሩኽ፣ ጎረባብቲ ንምርድዳእ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንጡፍ ተሳታፋይ ንክትኮኑ ይሕግዘኩም።

 

ሓዱሽ ቋንቋ ምምሃር ግዜ ይወሰድ፣ ትዕግስቲ ይደሊ ከምኡድማ ብዙሕ ምልምማድ ይደሊ። ኣብ ፈለማ ከቢድ ክመስለኩም ይክእል፤ ኮይኑ ግና ብትዕግስቲ ተምሃሩ። ካብ ዘለው ብዙሕ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣብ ሓዲኦም ምምሃር ጽቡቕ እዩ። ስተደኛታት ምስቲ ከባቢን ህዝብን ንክተዓታተው ዘክእሎም ከም ግቡዕ ክወስድዎም ዝግብኡ በቲ ዝነብሩሉ ምምሕዳር ወይድማ ግዝኣት ዝወሃቡ ትምህርቲታት እውን አለው። ምስ ካልኦት ሓቢርካ ምምሃር ዘተባብዕን ዘበራብርን እዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ብምዝርራብን ብምምይያጥን ንዘለኩም ክእለት ቋንቋ ክተመሓይሹ ትኽእሉ። ብተወሳኺውን ኣብ ዌብሳይት ወይድማ መጽሓፍ ብምንባብ በቲ ቋንቋ ንዝዳለው መደብ ሬዲዮ ብምድማጽን፤ ቴሌቪዥን ብምርኣይን ንናይ ቋንቋ ክእለትኩም ክተማሓሹ ትኽእሉ ኢኹም።

ምኽሪ ቋንቋ

ኩሉ ግዜ ሓሙስ ሓሙስ ኣብ ቹር/Chur ዝርከብ ማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ ኣብ ቋንቋ ጀርመን ሓደንሓደ ምኽሪ ይህብ። ባዓል ሞያታት ቋንቋ ንናትኩም ክእለት ቋንቋ ብምግምጋም ብቐሊሉ ንምምሃር ትኽእልሉ መንገዲ ይሕብሩ። ዝህብዎ አገልግሎት ብነፃ እንትኮን ምምዝጋብ ኣየድልየኩምን ኮይኑ ግና ቁጽሪ ክትሕዙ አለኩም።

ዓርኪ

ዓርኪ

  • Informationszentrum Integration Graubünden

    ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃGrabenstrasse 17001 Chur081 257 36 83 / 081 257 26 38www.integration.gr.ch