ናይ ቋንቋ ብቕዓት ምስክር

ናይ ቋንቋ ብቕዓት ምስክር

ናይ ቋንቋ ብቕዓት ምስክር

መስርሕ ምውህሃድ ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ወጻእተኛታትን ምውህሃድን (Ausländer- und Integrationsgesetz) ከምኡውን ኣብቲ ሓድሽ ፈደራላዊ ሲቪላዊ ሕጊ (Bürgerrechtsgesetzgebung) ሓያል መዐቀኒ ይወሃቦ። ብቕዓት ቋንቋዊ ክእለት ሓደ ካብቲ ናይ ምውህሃድ መምዘኒ ኢዩ። ንገለ ካብ ፖሊስ ንወጻኢተኛታት ንዝወሃብ ናይ ፍቓድ መስርሓትን ምርካብ ዜግነትን ወግዓዊ ወረቐት ምስክር ብቕዓት ቋንቋዊ ክእለት ከም መረጋገጺ ክቐርብ ናይ ግድን እዩ። ኣየኖት ጠለባት ምህላዎምን፣ ምስክር ብቕዓት ቋንቋዊ ክእለት ከመይ ጌርኩም ከም ተምጽኡን ካብ በት ጽሕፈት ፍልሰትን ሲቪላዊ መሰላትን ግራውብዩንደን (Amt für Migration und Zivilrecht Graubünden) ክትረኽቡ ትኽእሉ። .

ወረቐት ምስክር ብቕዓት ቋንቋዊ ክእለት fide

ብወረቐት ምስክር ብቕዓት ቋንቋዊ ክእለት. fide ኣቢሉ ናይ ቃልን ጽሑፍን ናይ ቋንቋ ብቕዓት ደረጃ A1 – B1 ሃገራውያን ቋንቋታት ጀርመን ጣልያን፣ ፈረንሳን ክረጋገጽ ይከኣል።

 

ኣብ ኩለን ዞባታት ስዊዘርላንድ ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ ምጽራይ ብቕዓት ቋንቋ fide ዘካይዳ ተፈላጥነት ዘለወን ናይ ምርግጋጽ ትካላት ኣለዋ።

 

ናይ ቋንቋ ብቕዓት መረጋገጺ Sprachenpass fide ከመይ ገይረ ይረክብ?

ናይ ቋንቋ ብቕዓት መረጋገጺ fide ምስ ወዳእኩም ሽፕራኽፓስ (Sprachenpass) ይወሃበኩም። ኣብኡ ናይ ቃልን ጽሑፍን ብቕዓትኩም ተፈላልዩ ይምዝገብ።

 

ዛጊት ተፈላጥነት ዘለዎ ወረቐት ቋንቋዊ ብቕዓት ሒዝኩም እንተ ደኣ ኣለኹም፣ ናብ ቤት ጽሕፈት fide ከተቕርብዎ ትኽእሉ። ገንዘብ ከፊልኩም ከኣ ሽፕራኽፓስ (Sprachenpass) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

 

ናይ B1 ወይ ናይ ካብኡ ንላዕሊ ብቕዓት ቋንቋ ዘለዎን፣ መረጋገጺ ከቕርብ ዝኽእልን ብመስርሕ መዐቀኒ ብቕዓት ሰነድ (Validierungsdossier) ኣቢሉ ሽፕራኽፓስ (Sprachenpass) ናይ ምርካብ ተኽእሎ ይህልዎ።

 

ነዚ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ዌብፖርታል (Webportal) fide ይርከብ።