ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎት

ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎት

እንታይ ዓይነት ካልኦት ናይ ምውህሃድ ግልጋሎታት ይርከቡ?

ሓደ ሓደ ምምሕዳራት ብቐረባ ናብ ምምሓዳሮም ንዝውሃዱ ሰባት ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም አቀባብላ ይገብሩ ወይድማ ሓበሬታ ይህቡ። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ምምሕዳራት ሓበሬታ ንክረክቡ ብግሊ ፃውዒት ይግበረልኩም። ተወከልቲ ምምሕዳራት ብዛዕባ እትነብሩሉ ምምሕዳርን ግልጋሎትን፣ ካልኦት ጠቐምቲ ሓበሬታን ይህብኩም።

 

ምምሕዳር ካንቶን Graubünden ዝተፈላለዩ ቋንቋን ትምህርቲን ከምኡውን መዋሃዲ ትምህርቲታትን የቕርብሎም። ሓበሬታ እንተድኣ ደሊኩም ካብ ትነብርሉ ምምሕዳር ወይድማብ www.integration.gr.ch ክትረኽቡ ትኽእሉ።