ሓዳር

ሓዳር

ሓዳር

ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዳር ንምግባር 18 ዓመት ክመልኦም ይግባእለ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝተመዝገበ ሓዳር ጥራሕ ኣፍልጦ ይህልዎ። ch.ch ድሕረ ገጽ ጥራሕ ቁልፌ ዝኮኑ ውልቃዊን ገንዘብ ዝተንከፉ ዋኒናት (ጉዳያት) ዘከትሎ ውጽኢት ከይተረፈ ኣጠቃሊሉ ዝሕዝ እዩ። ኣብ ዝትነብራሉ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ክተማልኡዎም ዘለኩም ኣገደስቲ ሰነዳት እንታይ ከምዝኾኑ ይሕብረኩም።

መሰልን ኣግባብ (ግዴታታት)

ኣብ ስዊዘርላንድ ውሽጢ ናይ ሓዳር ኣጋራት (ወዲ/ጓል) ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እንትኮኑ ሓደ ዓይነት መሰልን ኣግባብነት (ግዴታታት) ኣለዎም። ናይ ሓዳር ኣጋር ብነፃነት ናይ መምራፅ መሰል የጣቓልል። በዚ መሰረት ስድራ ቤት ወይድማ ካልኦት ሰባት እታ ጓል ትኩን እቲ ወዲ ካብ ፍቃድም ወፃኢ ሓዳር ክገብሩ ናይ ምግዳድ መሰል የብሎምን። ሓዳር ክገብሩ እናተገደደ ከምዝኮኑ እንተድኣ ተስማዕሚዕዎም ምስ ባዓል ሞያ ማእከል ምክሪ ክረኽቡ ይክእሉ እዮም።

 

Zwangsheirat.ch ዝተባሃለ ትካል ብዝተፈጽመ ሓዳር ምክንያት ዝተጎድኣ ኣዋልድ፣ ኣወዳትን፣ ሕፃናት ነፃ ግልጋሎት ምክሪ ሓገዝን እርዳታን ይህብ። ምይይጥን ሓበሬታ ብጥብቂ ሚስጥር ዝሕሎ ይከውን። ናይ ድጋፍን ሓገዝ መስመር 0800 800 007 እዩ።